11 ንሳቶም እዙይ ክሰምዑ እንተለዉ ድማ፥ ናብ ኢየሩሳሌም ቀሪቡ ነበረ እሞ፥ መንግስቲ እግዚኣብሄር ሽዑ እትገሃድ ይመስሎም ስለ ዝነበረ፥ ወሲኹ ብምስላ ተዛረበ።
ፈሪሳውያን፥ “መንግስቲ እግዚኣብሄር፥ መኣዝ እያ እትመፅእ?” ኢሎም ጠየቕዎ እሞ፥ “መንግስቲ እግዚኣብሄር፥ ብምፅብባይ ኣይትመፅእን፤ ኣብዙይ እያ ወይ ኣብቱይ እያውን ኣይብልዋን። መንግስቲ እግዚኣብሄርስ፥ ኣብ ማእኸልኩም እኒሃ” ኢሉ መለሰሎም።
ኢየሱስ ዝዓርገሉ መዓልቲ ምስ ቀረበ፥ መንገዱ ናብ ኢየሩሳሌም ኣቢሉ ኣምርሐ።
ተኣኪቦም እንተለዉ ኸዓ “ጐይታ፥ ኣብዝ ጊዜ እዙይ ዲኻ፥ ንእስራኤል መሊስካ መንግስቲ እተቑመላ?” ኢሎም ጠየቕዎ።