10 ወዲ ሰብ ዝመፀ፥ ንዝጠፍአ ኽደልን ከድሕንን እዩ እሞ” በሎ።
ከምቲ ጓሳ በታ እተን መጓሰኡ ፋሕ ዝብላላ መዓልቲ፥ ኣብ ማእኸል ኣባጊዑ ፀኒሑ ዝደልየን፥ ከምኡ ድማ ኣነ ነባጊዐይ ክደልየን፥ ካብ ኵሉ እቲ ብመዓልቲ ደመናን ፀልማትን ፋሕ ኢለናኦ ካብ ዝነበራ ቦታ ኸዓ ኸናግፈን እየ።
“ዝጠፍአት ክደሊ፥ እተባረረት ክመልስ፥ እተሰብረት ክፅግን፥ ዝደኸመት ከዓ ኸበርትዕ፥ ነታ ዝሰብሐትን ዝበርትዐትን ግና ኸጥፍእ፥ ብፍትሒውን ክጓስየን እየ።
ወዲ ኽትወልድ እያ፤ ንሱ ንህዝቡ ኻብ ሓጢኣቶም ከድሕኖም እዩ እሞ፥ ስሙ ኢየሱስ ክትብሎ ኢኻ።”
ንሱ ግና “እንትርፊ ናብቶም ከም ኣባጊዕ ዝጠፍኡ ህዝቢ እስራኤል፥ ናብ ካልእ ኣይተልኣኽኩን” ኢሉ መለሰ።
“መላእኽቶም ኣብ ሰማያት፥ ኵልሻዕ ገፅ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ይሪኡ እዮም እሞ፥ ካብዞም ኣናእሽተይ ንሓደ እኳ ኸይትንዕቑ ተጠንቀቑ።
ወዲ ሰብ ንዝጠፍአ ኽደልን ከድሕንን እዩ ዝመፀ እሞ።
እዝ ሓውካ ግና ሞይቱ ነይሩ፥ ሓውዩ፤ ጠፊኡ ነይሩውን፥ ተረኺቡ እዩ እሞ፥ ክንሕጐስን ደስ ኽብለናን ይግብአና እዩ’ በሎ።”
“ከምኡውን ዓሰርተ ቐለበት ብሩር ዘለዋሞ፥ ሓንቲ ቐለበት ብሩር እንተ ጠፍአታ፥ መብራህቲ ኣብሪሃ ገዛኣ ዘይትዅስትር፥ ክሳዕ እትረኽባ ድማ፥ ብጥንቃቐ ዘይትደሊ ኣየነይቲ ሰበይቲ እያ?
እግዚኣብሄር ንወዱ ናብ ዓለም ዝለኣኾ፥ ዓለም ብእኡ ምእንቲ ኽድሕን እምበር፥ ንዓለም ክፈርድ ኢሉ ኣይኮነን።
ንሕና ድኹማት እንተለና፥ ክርስቶስ በቲ ውሱን ጊዜ፥ ምእንቲ ሓጥኣን ሞተ።
ስለዙይ ድማ ዅሉ ጊዜ ምእንትኣቶም ክማልድ፥ ንዘለኣለም ህያው ስለ ዝኾነ፥ ነቶም ብእኡ ኣቢሎም፥ ናብ እግዚኣብሄር ዝመፁ፥ ንዘለኣለም ከድሕኖም ይኽእል እዩ።