1 ኢየሱስ ኣብ ኢያሪኮ ኣትዩ ብኣኣ ይሓልፍ ነበረ።
ብዘመን ኣክኣብ ከዓ ኣኪኤል በዓል ቤቴል ንኢያሪኮ ሰርሓ። ከምቲ እግዚኣብሄር ብኢያሱ ወዲ ነዌ ዝተዛረቦ ቓል ድማ ኽስርታ እንተሎ ብኣቢሮን በዅሪ ወዱ መስረታ፤ በቲ ንእሽተይ ወዱ ብሰጉብ ድማ በሪታታ ኣቖመ።
ናብ ኢያሪኮ ድማ ኣተዉ፤ ኢየሱስ ካብ ኢያሪኮ ምስ ደቀ መዛሙርቱን ምስ ብዙሕ ህዝብን ክወፅእ እንተሎ፥ በርጤሜዎስ፥ ንሱውን ወዲ ጤሜዎስ እቲ ዕዉር፥ ኣብ ወሰን መንገዲ ተቐሚጡ ይልምን ነበረ።
ናብ ኢያሪኮ ምስ ቀረበ፥ እንሆ ሓደ ዕውር ሰብኣይ፥ ኣብ ጥቓ መንገዲ ተቐሚጡ ይልምን ነበረ።
እንሆ ሓለቓ ተቐበልቲ ቐረፅ ዝኾነ፥ ዘኬዎስ ዝስሙ ሃብታም ሰብኣይ፥
ሽዑ ኢያሱ ወዲ ነዌ ኻብ ሽጢም ዝበሃል ቦታ ኽልተ ሰባት ብሕቡእ ሰዲዱ፥ “ኬድኩም ነታ ምድርን፥ ንኢያሪኮን ሰልይዋ” በሎም። ንሳቶም ድማ ኸይዶም፥ ረኣብ ናብ እትበሃል ገዛ ኣመንዝራ ኣተዉ፤ ኣብኡውን ሓደሩ።