5 እዛ መበለት እዚኣ ኣሸጊራትኒ እያ እሞ፥ መመሊሳ እናመፀት ከይተትክረኒ፥ ክፈርደላ ደኣ’ በለ።”
በዝ ነገር እዙይ ድማ ኣርባዕተ ሻዕ ለኣኹለይ፤ ኣነ ኸዓ ኸምኡ ገይረ መለስኩሎም።
ንሱ ግና ሓንቲ ቓል እኳ ኣይመለሰላን፤ ደቀ መዛሙርቱ ኸዓ ቐሪቦም “ደድሕሬና ትጠርዕ ኣላ እሞ ኣሰናብታ!” ኢሎም ለመንዎ።
ይኹን እምበር፥ ዓርኩ ስለ ዝኾነ፥ ተሲኡ ኽህቦ እኳ እንተ ዘይደለየ፥ ምእንቲ ኸየትክሮ ኢሉ፥ ተሲኡ ዝደለዮ ኸም ዝህቦ እብለኩም ኣለኹ።
ኣብታ ኸተማ እቲኣ ድማ፥ ሓንቲ መበለት ነበረት፤ ናብኡ እናመፀት ከዓ፥ ‘ምስ ተፃራርየይ ፍረደለይ’ ትብሎ ነበረት።
እቶም ቅድሚት ይኸዱ ዝነበሩ፥ ስቕ ክብል ገሰፅዎ፤ ንሱ ግና ብዝበለፀ ዓው ኢሉ “ኦ ኢየሱስ ወዲ ዳዊት፥ ራህርሀለይ!” በለ።
ንኻልኦት እናሰበኽኩ፥ ንርእሰይ ዘይበቅዕ ምእንቲ ኸይከውን፥ ንሰብነተይ እቐፅዖን ኣግዝኦን ኣለኹ።
ኵሉ መዓልቲ ብዘረባኣ ምስ ኣትከረቶ፤ ነፍሱ ኽሳዕ ሞት ተጨነቐት።