4 ኣብ መዓልቲ ሸውዓተ ሻዕ እንተ በደለካ፥ ተናሲሐ እናበለውን፥ ኣብ መዓልቲ ሸውዓተ ሻዕ ናባኻ እንተ ተመለሰ፥ ይቕረ በለሉ።”
እንተ ዘይሰምዐካ ግና፥ ኵሉ ነገር ብኣፍ ክልተ ወይ ሰለስተ መሰኻኽር እዩ ዝቐውም እሞ፥ ኣብ ካልኣይ ጊዜ ሓደ ወይ ክልተ ምሳኻ ውሰድ።
“እምበኣር ንስኻትኩምውን ነፍሲ ወከፍኩም፥ ንሓዉ ኻብ ልቡ በደሉ እንተ ዘይሓዲጉሉ፥ ሰማያዊ ኣቦይውን ከምኡ ኽገብረኩም እዩ።”
ኣነ ግና ፀላእትኹም ፍተዉ፤ ንዝረግሙኹም መርቑ። ውሉድ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦኻትኩም ምእንቲ ኽትኮኑ፥ ንሱ ንኽፉኣትን ንሕያዎትን ፀሓይ የብርቕ፤ ንፃድቃንን ንሓጥኣንን ድማ ዝናም የዝንም እዩ እሞ፥ ንዝፀልኡኹም ፅቡቕ ግበሩ፤ ስለ እቶም ዝፀርፉኹምን ዘሳጕጉኹምን ፀልዩ፥ እብለኩም ኣለኹ።
ንሕና ንዝበደሉና ይቕረ ኸም እንብለሎም፥ በደልና ይቕረ በለልና፤
ሃዋርያት ድማ ንጐይታ “እምነት ወስኸና” በልዎ።
ግና “ፀላኢኻ እንተ ጠመየ፥ ኣብልዓዮ፤ እንተ ፀምአውን፥ ኣስትዮ። እዙይ ብምግባርካ፥ ጓህሪ ሓዊ ኣብ ርእሱ ኽትእክብ ኢኻ።”