2 ኻብዞም ኣናእሽቱ ንሓደ ኻብ ዘስሕትስ፥ እምኒ መጥሓን ኣብ ክሳዱ ተኣሲሩ፥ ናብ ባሕሪ ኽድርበ ምሐሾ።
ንሱ ንመጓሰኡ ኸም ጓሳ የውፍረን፤ ንመሓሲኡ ኣኪቡ ኣብ ሕቝፉ ይስከመን፤ ነተን ዘጥብዋ ድማ ብህድኣት ይመርሐን።
ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ኦ ሰይፊ፥ ኣንፃር ጓሳይን እቲ ፈታዊየይ ዝኾነ ሰብን ተስእ፤ ነቲ ጓሳ ውቕዓዮ፤ እተን ኣባጊዕ ከዓ ፋሕ ይበላ። ኣነ ኸዓ ቕልፅመይ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣናእሽቱ ኽመልስ እየ።
ግና ምእንቲ ኸይነዐንቅፎም፥ ናብ ባሕሪ ኼድካ መቝለብ ዓሳ ደርቢ፤ ነቲ ቕድም እትሕዞ ዓሳ ውሰድ፤ ኣፉ ምስ ከፈትካ ኣብኡ ሓደ ኣስታቴር ክትረክብ ኢኻ፤ ንእኡ ወሲድካ፥ ክንዳይን ክንዳኻን ሃቦም” በሎ።
“መላእኽቶም ኣብ ሰማያት፥ ኵልሻዕ ገፅ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ይሪኡ እዮም እሞ፥ ካብዞም ኣናእሽተይ ንሓደ እኳ ኸይትንዕቑ ተጠንቀቑ።
ከምኡ ድማ ኻብዞም ኣናእሽተይ ሓደ እኳ ኽጠፍእ፥ ፍቓድ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦኻትኩም ኣይኮነን።
ወዲ ሰብ ከምቲ ብዛዕባኡ ዝተፅሓፈ ኽመውት እዩ፤ ነቲ ንወዲ ሰብ ኣሕሊፉ ዝህቦ ሰብ ግና ወይለኡ! እቲ ሰብ እቱይ ከም ዘይተወለደ ምሐሾ ነይሩ” በለ።
“ነቲ ኻብዞም ብኣይ ዝኣምኑ ኣናእሽተይ ንሓደ ዘስሕት፥ እምኒ መጥሓን ኣብ ክሳዱ ተኣሲሩ፥ ኣብ ባሕሪ እንተ ዝጠልቕ ምሐሾ ነይሩ።
ምስ በልዑ ድማ፥ ኢየሱስ ንስምኦን ጴጥሮስ፥ “ስምኦን ወዲ ዮና፥ ካብዚኣቶም ኣብሊፅካዶ ትፈትወኒ ኢኻ?” በሎ። ንሱ ኸዓ “እወ ጐይታ፤ ኣነ ኸም ዝፈትወካ ንስኻ ትፈልጥ ኢኻ” ኢሉ መለሰሉ። ኢየሱስ ከዓ “መሓሲአይ መግብ” በሎ።
ኣነ ግና፥ ካብዞም መሰላት እዚኣቶም ብሓደኳ ኣይተጠቐምኩን፤ ከምኡ ምእንቲ ክኾነለይ ኢለውን ኣይኮንኩን፥ እዙይ ዝፅሕፍ ዘለኹ። ሓደ ሰብ ነዝ ትምክሕተይ ከንቱ ኻብ ዝገብሮስ፥ ሞት ይሕሸኒ።
ነቶም ድኹማት ምእንቲ ኸድሕን ድማ፥ ምስቶም ድኹማት፥ ድኹም ኮንኩ፤ ብዅሉ መንገዲ ንገሊኣቶም ምእንቲ ኸድሕን፥ ምስ ዅሉ ብዅሉ ነገር ከምኣቶም ኮንኩ።