9 “ኣነ ኸዓ፥ ገንዘብ ምስ ተወድአኩም፥ ኣብ ናይ ዘለኣለም ገዛውቲ ምእንቲ ኽቕበሉኹምስ፥ ብገንዘብ ዓመፃ፥ ንባዕልትኹም ኣዕርኽቲ ግበሩ እብለኩም ኣለኹ።
ኦ ናይ ድሕነተይ ኣምላኽ፥ ልበይን ስጋይን ሃለቐ፤ እግዚኣብሄር ግና ንዘለኣለም ዕድለይ እዩ።
ሃብቲ ንጠቢባን ዘውዶም እዩ፤ ዕሽነት እቶም ዓያሹ ግና ዅልሻዕ ዕሽነት እዩ።
እቲ ንድኻ ዝህብ፥ ንእግዚኣብሄር የለቅሕ፤ እግዚኣብሄር ከዓ፥ በቲ ሰናይ ግብሩ ኽፈድዮ እዩ።
ሃብቲ፥ ናብ ሰማይ ከም ዝበርር ንስሪ፥ ንባዕሉ ኽንፊ የውፅእ እዩሞ፥ ኣብ ልዕሊኡ ዓይንኻ እንተውደቕካሉ ይጠፍእ።
እንጀራኻ ኣብ ልዕሊ ማይ ደርቢ፥ ድሕሪ ብዙሕ መዓልቲታት ክትረኽቦ ኢኻሞ።
ንዘለኣለም ኣይፃላእን፤ ንሓዋሩ ኸዓ ኣይቍጣዕን እየ። ከምዙይ እንተ ዘይኸውንስ መንፈስን፥ እተን ዝፈጠርክወን ነፍሳትን ተስፋ ምቐበፃ ነይረን።
ስለዙይ ኦ ንጉስ፥ ምኽረይ የሐጕስካ። ህድኣት ዘለዎ ነዊሕ ዕድመ ኽትረክብ፥ ሓጢኣትካ ብፅድቂ፥ በደልካ ድማ ንድኻታት ብምምፅዋት ኣወግዶ” በሎ።
ኢየሱስ ከዓ “እምበኣር ፍፁም ክትከውን እንተ ደሊኻስ፥ ኬድካ ዅሉ ዘለካ ሼጥካ፥ ንድኻታት ሃብ፤ ኣብ ሰማይ መዝገብ ኽትረክብ ኢኻ እሞ፥ ነዓ ተኸተለኒ!” በሎ።
“ብልዕን ምምራትን ኣብ ዘበላሽዎ፥ ሰረቕቲ ዅዒቶም ኣብ ዝሰርቅዎ፥ ንኣኻትኩም ኣብ ምድሪ ሃብቲ ኣይትኣክቡ።
“ሓደ ኣገልጋሊ ንኽልተ ጐይቶት ከገልግል ኣይኽእልን፤ ነቲ ሓደ ኽፀልእ፥ ነቲ ሓደ ኸፍቅር እዩ፤ ወይ ከዓ ነቲ ሓደ ከኽብር ነቲ ሓደ ኽንዕቕ እዩ። እምበኣር ንእግዚኣብሄርን ንገንዘብን ክትግዝኡ ኣይትኽእሉን ኢኹም።
ግና ነቲ ኣብ ውሽጢ ዘሎ ንምፅዋት ሃቡ፤ ድሕሪዙይ ኵሉ ነገር ፅሩይ ክኾነልኩም እዩ።
ጥሪትኩም ሼጥኩም ምፅዋት ሃቡ። ሰራቒ ኣብ ዘይረኽቦ፥ ነቐዝ ኣብ ዘየባላሽዎ፥ ዘይበሊ ሙዳይን፥ ዘይጐድል ሃብትን፥ ኣብ ሰማይ ኣዋህልሉ።
ዝፈድዩኻ የብሎምን እሞ ብፁእ ክትከውን፥ ብትንሳኤ ፃድቃንውን ክትፍደዮ ኢኻ” በሎ።
እምበኣርከስ ብገንዘብ ዓመፃ፥ እንድሕር እሙናት ዘይኴንኩም፥ በቲ ናይ ሓቂ ሃብቲ፥ መን ይኣምነኩም?
“ሓደ መገልገሊ፥ ንኽልተ ጐይቶት ከገልግል ኣይኽእልን፤ ነቲ ሓደ ይፈቱ፤ ነቲ ሓደ ይፀልእ፤ ወይ ነቲ ሓደ የኽብር፤ ነቲ ሓደ ድማ ይንዕቕ። እምበኣር ንእግዚኣብሄርን ንገንዘብን፥ ክትግዝኡ ኣይትኽእሉን ኢኹም።”
ካብ መጋብነተይ ምስተስዓርኩ፥ ኣብ ገዛውቶም ምእንቲ ኽቕበሉኒ፥ ዝገብሮ ሕዚ ፈሊጠ ኣለኹ’ በለ።
‘ቆርኔሌዎስ፥ ፀሎትካ ተሰሚዑ፤ ምፅዋትካ ድማ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዓሪጉ እዩ።
ብፍርሒ ናብኡ እናጠመተ ኸዓ “እንታይ እዩ ጐይታይ?” በሎ። እቲ መልኣኽ ድማ “ፀሎትካን ምፅዋትካን፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ንመዘከርታ ዓሪጉ እዩ፤
እዝ ቐልጢፉ ዝሓልፍን፥ ቀሊል ዝኾነ መከራና ኸዓ፥ ካብ ኵሉ ዝበልፅን፥ ማዕረ ዘይብሉን፥ ዘለኣለማዊ ኽብሪ ኸውህበና እዩ።
ነቲ ናብ ህይወት ዘለኣለም ዘብፅሕ፥ ምሕረት ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ እናተፀበኹም ከዓ፥ ንርእስኹም ብፍቕሪ እግዚኣብሄር ሓልዉ።