5 ነቶም ሰብ ዕዳ ጐይታኡ በብሓደ ፀዊዑ፥ ነቲ ቐዳማይ ‘ንጐይታይ እትፈድዮ ዕዳ ኽንደይ ኣለካ?’ በሎ።
ክፀባፀብ ምስ ጀመረ ዓሰርተ ሽሕ መክሊት ዕዳ ዘለዎ ሰብ ኣምፅኡሉ።
እቲ ኣገልጋሊ ምስ ወፀ ግና፥ ካብቶም ብፆቱ ሚእቲ ዲናር ዕዳ ዘለዎ ሓደ ኣገልጋሊ ረኸበ እሞ፥ “ኣባኻ ዘሎ ዕዳ ፍደየኒ” ኢሉ ሓኒቑ ሓዞ።
ንሕና ንዝበደሉና ይቕረ ኸም እንብለሎም፥ በደልና ይቕረ በለልና፤
ካብ መጋብነተይ ምስተስዓርኩ፥ ኣብ ገዛውቶም ምእንቲ ኽቕበሉኒ፥ ዝገብሮ ሕዚ ፈሊጠ ኣለኹ’ በለ።
ንሱ ኸዓ ‘ሚእቲ ዕትሮ ዘይቲ’ በሎ። ሽዑ ንሱ ‘እንካ ፅሕፈት ዕዳኻ ተቐበል፤ ቀልጢፍካ ተቐመጥ እሞ፥ ሓምሳ ኢልካ ፀሓፍ’ በሎ።