Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ወንጌል ሉቃስ 16:2 - መፅሓፍ ቅዱስ

2 እቲ ጐይታኡ ድማ ፀዊዑ ‘እዝ ብዛዕባኻ ዝሰምዖ ዘለኹ እንታይ እዩ? ደጊም መጋቢ ኽትኮነኒ፥ ኣይትኽእልን ኢኻ እሞ፥ ፀብፃብ መጋብነትካ ሃበኒ’ በሎ።

Ver Capítulo Copiar




ወንጌል ሉቃስ 16:2
23 Referencias Cruzadas  

እግዚኣብሄር ንዅሉ ተግባራት፥ ንዅሉ ስውር ዝኾነ፥ ሰናይ ኮነ ኽፉእ፥ ናብ ፍርዲ ኸምፅኦ እዩ።


“ኣነ ግና፥ እትፀድቕ ብቓልካ፥ እትዅነንውን ብቓልካ ኢኻ እሞ፥ ሰባት ብዝዛረብዎ ዅሉ ዘይጠቅም ቃል፥ ብመዓልቲ ፍርዲ ኽጥየቑሉ እዮም እብለኩም ኣለኹ።”


“ምስ መሰየ እቲ በዓል ኣታኽልቲ ወይኒ ንኣዛዚ ገዛኡ ‘ነቶም ሰራሕተኛታት ፀውዓዮም፤ ካብቶም ዳሕረዎት ጀሚርካ ኽሳዕ እቶም ቀዳሞት ደመወዞም ሃቦም’ በሎ።


እግዚኣብሄር ግና፥ ‘ኣታ ዓሻ! በዛ ለይቲ እዚኣ፥ ንነፍስኻ ኻባኻ ኽወስድዋ እዮም፤ እዝ ዝኣከብካዮ ደኣ ንመን ክኸውን እዩ?’ በሎ።


ጐይታ ድማ ኸምዙይ በለ፦ “እቲ ቐለቦም በብጊዜኡ ኽህቦም፥ ጐይታኡ ኣብ ቤተሰቡ ዝሸሞ እሙንን መስተውዓልን መጋቢ መን እዩ?


ኢየሱስ መሊሱ ንደቀ መዛሙርቱ ኸምዙይ በሎም፦ “መጋቢ ዝነበሮ፥ ሓደ ሃብታም ሰብኣይ ነበረ። ንእኡ ኸዓ ገንዘብካ ይብትነልካ ኣሎ፤ እናበሉ ነገርዎ።


እቲ መጋቢ ድማ ብልቡ፥ ‘ጐይታይ ካብዛ ሽመተይ ክስዕረኒ እዩ፤ ከይባሩ፥ ኣይክእልን፤ ከይልምን ድማ፥ ኣሓፍር፤ እንታይ ደኣ ኽገብር እየ?


እምበኣር ኵላትና፥ ነፍሲ ወከፍ ንእግዚኣብሄር መልሲ ኽንህብ ኢና።


ኣሕዋተይ፥ ኣብ ማእኸልኩም ባእሲ ኸም ዘሎ፥ ሰብ ቀሎኤ ነጊሮምኒ ኣለዉ።


ኣብ ርእሲዙይ ከዓ፥ ኵሎም መገብቲ፥ እሙናት ኮይኖም ክርከቡ ይግብኦም።


ስለዙይ ነቲ ኣብ ፀልማት ዝተሓብአ፥ ናብ ብርሃን ዘምፅእ፥ ሓሳባት ልቢ ኸዓ ዝገልፅ ጐይታ ኽሳዕ ዝመፅእ፥ ጊዜ እንተይበፅሐ ሓደኳ ኣይትፍረዱ። ሽዑ ነፍሲ ወከፍ ነናእዳኡ፥ ኻብ እግዚኣብሄር ክቕበል እዩ።


ነፍሲ ወከፍና፥ ነቲ ብስጋዊ ህይወቱ እንተሎ ንዝገበሮ ሰናይ ኮነ ወይ ክፉእ፥ ዓስቢ ምእንቲ ኽቕበል፥ ኵላትና ኣብ ቅድሚ መንበር ፍርዲ ክርስቶስ፥ ግድን ክንቀርብ ኢናሞ።


ነቲ ብቓል ትንቢት፥ ምስ ምንባር ኢድ ሽማግሌታት፥ ዝተውሃበካ ውህብቶ፥ ሸለል ኣይትበሎ።


ሓጢኣት ገሊኣቶም ሰባት ግሁድ እዩ፤ ነቲ ፍርዲውን የርኢ፤ ናይ ገሊኣቶም ግና ደሓር እዩ ዝግለፅ።


ናይቲ ብዙሕ ዝዓይነቱ ፀጋ እግዚኣብሄር፥ እሙናት ኣገልገልቲ ብምዃን፥ ነፍሲ ወከፍኩም ከምቲ ዝተቐበልኩምዎ ውህብቶ ፀጋ፥ ሓደ ነቲ ሓደ የገልግል።


እዚኣቶም፥ ነቲ ንህያዋንን ንምዉታንን ክፈርድ ተዳልዩ ዘሎ፥ መልሲ ኽህቡሉ እዮም።


ምዉታን ድማ፥ ዓበይትን ኣናእሽቱን፥ ኣብ ቅድሚ እቲ ዙፋን፥ ደው ኢሎም ረአኹ። መፃሕፍቲ እውን ተገለፁ፤ እቲ መፅሓፍ ህይወት ዝኾነ፥ ካልእ መፅሓፍውን ተገለፀ። እቶም ምዉታን ድማ፥ ከምቲ ኣብቲ መፃሕፍቲ ተፅሒፉ ዝነበረ፥ ከከም ግብሮም ተፈርዶም።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos