12 ብናይ እማትኩም ሃብቲ፥ እንድሕር እሙናት ዘይኮንኩምከ፥ ናይ ባዕልኻትኩም ዝኾነ መን ይህበኩም?
ከምዙይ ድማ በለ፦ “ጥራሐይ እየ ኻብ ማህፀን ወላዲተይ ዝወፃእኹ፤ ጥራሐይ ከዓ ናብ መቓብር ክኣቱ እየ። እግዚኣብሄር ሃበ፤ እግዚኣብሄር ድማ ወሰደ፤ ስም እግዚኣብሄር ዝተባረኸ ይኹን” ኢሉ ናብ ምድሪ ተደፊኡ ሰገደ።
ንሳ፥ እኽልን ወይንን ዘይትን ኣነ ኸም ዝሃብክዋ፥ እቲ ንበዓል ዝበሃል ጣዖት ዝተሰርሐ፥ ብሩርን ወርቅን ኣነ ኸም ዘብዛሕኩላ ኣይፈለጠትን።
እቲ ዘድሊ ግና፥ ሓደ ጥራሕ እዩ። ማርያምስ ነቲ ዝበለፀ ግደ መሪፃ ኣላ፤ ካብኣ ዝወስደላ ሓደኳ የለን” ኢሉ መለሰላ።
እምበኣርከስ ብገንዘብ ዓመፃ፥ እንድሕር እሙናት ዘይኴንኩም፥ በቲ ናይ ሓቂ ሃብቲ፥ መን ይኣምነኩም?
“ሓደ መገልገሊ፥ ንኽልተ ጐይቶት ከገልግል ኣይኽእልን፤ ነቲ ሓደ ይፈቱ፤ ነቲ ሓደ ይፀልእ፤ ወይ ነቲ ሓደ የኽብር፤ ነቲ ሓደ ድማ ይንዕቕ። እምበኣር ንእግዚኣብሄርን ንገንዘብን፥ ክትግዝኡ ኣይትኽእሉን ኢኹም።”