Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ወንጌል ሉቃስ 16:11 - መፅሓፍ ቅዱስ

11 እምበኣርከስ ብገንዘብ ዓመፃ፥ እንድሕር እሙናት ዘይኴንኩም፥ በቲ ናይ ሓቂ ሃብቲ፥ መን ይኣምነኩም?

Ver Capítulo Copiar




ወንጌል ሉቃስ 16:11
9 Referencias Cruzadas  

“ሓደ ኣገልጋሊ ንኽልተ ጐይቶት ከገልግል ኣይኽእልን፤ ነቲ ሓደ ኽፀልእ፥ ነቲ ሓደ ኸፍቅር እዩ፤ ወይ ከዓ ነቲ ሓደ ከኽብር ነቲ ሓደ ኽንዕቕ እዩ። እምበኣር ንእግዚኣብሄርን ንገንዘብን ክትግዝኡ ኣይትኽእሉን ኢኹም።


ጥሪትኩም ሼጥኩም ምፅዋት ሃቡ። ሰራቒ ኣብ ዘይረኽቦ፥ ነቐዝ ኣብ ዘየባላሽዎ፥ ዘይበሊ ሙዳይን፥ ዘይጐድል ሃብትን፥ ኣብ ሰማይ ኣዋህልሉ።


ብናይ እማትኩም ሃብቲ፥ እንድሕር እሙናት ዘይኮንኩምከ፥ ናይ ባዕልኻትኩም ዝኾነ መን ይህበኩም?


“ኣነ ኸዓ፥ ገንዘብ ምስ ተወድአኩም፥ ኣብ ናይ ዘለኣለም ገዛውቲ ምእንቲ ኽቕበሉኹምስ፥ ብገንዘብ ዓመፃ፥ ንባዕልትኹም ኣዕርኽቲ ግበሩ እብለኩም ኣለኹ።


ኢየሱስ ድማ እዙይ ምስ ሰምዐ፥ “እምበኣር ሓንቲ ተሪፋትካ ኣላ፤ ዘለካ ዅሉ ሼጥኻ፥ ንድኻታት ሃብ፤ ኣብ ሰማይ ሃብቲ ኽትረክብ ኢኻ፤ ነዓ ተኸተለኒ” በሎ።


ካብ ኵሎም ቅዱሳን ንዝነኣስኩ ንኣይ፥ ነቲ ዘይምርመር ሃብቲ ክርስቶስ፥ ንኣህዛብ ክሰብኽ፥ እዝ ፀጋ እዙይ ተውሃበኒ።


ኣቱም ፍቑራት ኣሕዋተይ፥ እስኪ ስምዑ፤ እግዚኣብሄር ነቶም ዘፍቅርዎ ዘተስፈዎም፥ መንግስቲ፥ ምእንቲ ኽወርሱ፥ ብእምነት ሃብታማት ክኾኑ፥ ነቶም ድኻታት እዛ ዓለምዶ ኣይሓረዮምን እዩ?


ምእንቲ ኽትህብትም፥ ብሓዊ ዝፀረየ ወርቂ ኻባይ ክትዕድግ፥ ሕፍረት ዕርቃንካ ምእንቲ ኸይቕላዕን፥ ፃዕዳ ኽዳውንቲ ኽትክደንን፥ ምእንቲ ኽትርኢ፥ ነዒንትኻ ኽትኰሓለሉውን፥ ኵሕሊ ኻባይ ክትዕድግ፥ እመኽረካ ኣለኹ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos