Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ወንጌል ሉቃስ 15:8 - መፅሓፍ ቅዱስ

8 “ከምኡውን ዓሰርተ ቐለበት ብሩር ዘለዋሞ፥ ሓንቲ ቐለበት ብሩር እንተ ጠፍአታ፥ መብራህቲ ኣብሪሃ ገዛኣ ዘይትዅስትር፥ ክሳዕ እትረኽባ ድማ፥ ብጥንቃቐ ዘይትደሊ ኣየነይቲ ሰበይቲ እያ?

Ver Capítulo Copiar




ወንጌል ሉቃስ 15:8
9 Referencias Cruzadas  

ከምቲ ጓሳ በታ እተን መጓሰኡ ፋሕ ዝብላላ መዓልቲ፥ ኣብ ማእኸል ኣባጊዑ ፀኒሑ ዝደልየን፥ ከምኡ ድማ ኣነ ነባጊዐይ ክደልየን፥ ካብ ኵሉ እቲ ብመዓልቲ ደመናን ፀልማትን ፋሕ ኢለናኦ ካብ ዝነበራ ቦታ ኸዓ ኸናግፈን እየ።


መብራህቲ ኣብ ገዛ ንዘሎ ዅሉ ምእንቲ ኸብርህ፥ ኣብ በሪኽ መቐመጢኡ የንብርዎ እምበር፥ ኣብ ትሕቲ ኸፈር ኣየንብርዎን።


ከምኡ ኸዓ ንስሃ ኻብ ዘይደልዩ ተስዓን ትሽዓተን ፃድቃን፥ ብዝንሳሕ ሓደ ሓጥእ፥ ኣብ ሰማይ ዓብዪ ሓጐስ ክኸውን እዩ፥ እብለኩም ኣለኹ።


ምስ ረኸበታ ድማ፥ ‘እታ ዝጠፍአትኒ ብሩረይ ረኺበያ እየ እሞ፥ ምሳይ ተሓጐሳ’ እናበለት ንመሓዙታን ንጐረባብታን ትፅውዕ።


ወዲ ሰብ ዝመፀ፥ ንዝጠፍአ ኽደልን ከድሕንን እዩ እሞ” በሎ።


ካብዝ መጓሰ እዙይ ዘይኮና፥ ካልኦት ኣባጊዕውን ኣለዋኒ፤ ንኣኣተን ድማ ኸምፅአን እየ፤ ቃለይውን ክሰምዓ እየን፤ ሓደ መጓሰውን ክኾና፥ ጓሳአንውን ሓደ ክኸውን እዩ።


ነቶም ዝተበተኑ ደቂ እግዚኣብሄር፥ ናብ ሓደ ኽእክቦምውን እምበር፥ ቤዛ ህዝቢ ጥራሕ ክመውት ኣይኮነን።


ብዙሓት ጠንቈልቲ ድማ፥ መፃሕፍቶም ኣኪቦም፥ ኣብ ቅድሚ ዅሉ ሰብ ኣቃፀልዎ፤ ዋጋኡ ምስ ፀብፀብዎ ኸዓ፥ ሓምሳ ሽሕ ድሪም ኮይኑ ተረኽበ፤


መፂኡ ኸዓ፥ ንኣኻትኩም ርሑቓት ንዝነበርኩምን፥ ነቶም ቀረባ ዝነበሩን ሰላም ኣብሰረ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos