6 ናብ ገዛኡ ምስ ተመለሰ ድማ፥ ነዕርኽቱን ንጐረባብቱን ብሓባር ፀዊዑ፥ ‘እታ ዝጠፍአትኒ በጊዐይ ረኺበያ እየ እሞ፥ ምሳይ ተሓጐሱ’ ይብሎም።
ከም ዘጠፍአ በጊዕ ኰለል እብል ኣለኹ፤ ትእዛዛትካ ኣይረሳዕኹንሞ፥ ንባርያኻ ድለዮ።
ጐረባብታን ኣዝማዳን ከዓ፥ እግዚኣብሄር ምሕረቱ ኸም ዘዕበየላ ሰሚዖም፥ ምስኣ ተሓጐሱ።
ከምኡ ኸዓ ብሓደ ዝንሳሕ ሓጥእ፥ ኣብ ቅድሚ መላእኽቲ እግዚኣብሄር፥ ሓጐስ ክኸውን እዩ እብለኩም ኣለኹ።”
እዝ ወደይ ሞይቱ ነይሩ፥ ሓውዩ፤ ጠፊኡ ነይሩውን፥ ተረኺቡ እዩ እሞ’ በሎም። ክሕጐሱ ድማ ጀመሩ።
ምስ ረኸባ ድማ፥ ተሓጒሱ ኣብ ማእገሩ ይሕንግራ።
ከምኡ ኸዓ ንስሃ ኻብ ዘይደልዩ ተስዓን ትሽዓተን ፃድቃን፥ ብዝንሳሕ ሓደ ሓጥእ፥ ኣብ ሰማይ ዓብዪ ሓጐስ ክኸውን እዩ፥ እብለኩም ኣለኹ።
ንስኻትኩምውን፥ ኵሉ ዝኣዘዝኩኹም እንተ ፈፂምኩም፥ ኣዕርኽተይ ኢኹም።
እቲ መርዓት ዘላቶ ንሱ መርዓዊ እዩ። እቲ ደው ኢሉ ንእኡ ዝሰምዖ ዓርኪ መርዓዊ ግና፥ ብድምፂ መርዓዊ የመና ይሕጐስ። ደጊም ሓጐሰይ ተፈፀመ።
ንሱ ኣብኡ ምስ በፅሐ፥ ፀጋ እግዚኣብሄር ሪኡ ተሓጐሰ፤ ብምሉእ ልቦም ብእግዚኣብሄር ፀኒዖም ክነብሩ ድማ መዓዶም።
ሽዑ ንሳቶም ካብታ ቤተ ክርስቲያን ምስተልኣኹ፥ እቶም ኣህዛብ ከመይ ኢሎም፥ ናብ እግዚኣብሄር ከም ዝተመለሱ እናነገርዎም፥ ብፊንቄን ብሰማርያን ሓለፉ፤ እዙይ ከዓ ንዅሎም ኣሕዋት ኣሐጐሶም።
ኣብ ኵሉ ፀሎተይ፥ ምእንቲ ዅልኻትኩም ብሓጐስ እፅሊ ኣለኹ።
ግናኸ ኣብቲ ናይ እምነትኩም መስዋእትን ኣገልግሎትን፥ እንተ ተሰዋእኹ ደስ ይብለኒ፤ ምስ ኵልኻትኩምውን እሕጐስ ኣለኹ።
እምበኣር ኣቱም ኣነ ዘፍቅረኩምን ዝናፍቐኩምን፥ ሓጐሰይን ኣኽሊለይን ዝኾንኩም ፍቑራት ኣሕዋተይ፥ ኣብ ጐይታ ፀኒዕኹም ቁሙ።
ተስፋና ወይ ሓጐስና ወይ ከዓ ኣብ ካልኣይ ምፅኣቱ፥ ኣብ ቅድሚ ጐይታና ኢየሱስ እንምክሐሉ፥ ኣኽሊልና መን ድዩ? ንስኻትኩምዶ ኣይኮንኩምን?
ንስኻትኩም ቀደም ህዝቡ ኣይነበርኩምን፤ ሕዚ ግና ህዝቢ እግዚኣብሄር ኢኹም፤ ቀደም ምሕረት ኣይረኸብኩምን፤ ሕዚ ግና ምሕረት ረኺብኩም ኢኹም።
ከም ዝጠፍኡ ኣባጊዕ፥ ከርተት ትብሉ ኔርኩም፤ ሕዚ ግና ናብቲ ጓሳኹምን፥ ሓላዊ ነፍስኹምን፥ ተመሊስኩም ኣለኹም።