5 ምስ ረኸባ ድማ፥ ተሓጒሱ ኣብ ማእገሩ ይሕንግራ።
ንሳቶም ድማ “እግዚኣብሄር ዝተቤዘዎም ቅዱስ ህዝቢ” ተብሂሎም ክፅውዑ እዮም። ንስኺውን ተደላይትን ዘይትሕደግን ከተማ፥ ተብሂልኪ ኽትፅውዒ ኢኺ።
ከምቲ ጐበዝ ንድንግል ዝምርዖ፥ ከምኡ ደቅኺ ኽምርዐዉኺ እዮም፤ መርዓዊ ብመርዓቱ ኸም ዝሕጐስ፥ ከምኡ ኣምላኽኪውን ብኣኺ ኽሕጐስ እዩ።
ኣብ ኵሉ መከራኦም ተጨነቐ፤ መልኣኽ ገፁ ድማ ኣድሓኖም። ብፍቕሩን ብለውሃቱን ተቤዘዎም፤ ብዝሓለፈ ዘመናት ኵሉ ኣልዓሎምን ተሸከሞምን።
ሓጢኣተኛዶ ኽመውት እፈቱ እየ? ፍታወይስ ካብ መንገዱ ኽምለስ፥ ብህይወት ከዓ ኽነብርዶ ግዳ ኣይኮነን? ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
ኣነ ህያው እየ፥ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፤ ሓጥእ ካብ መንገዱ ኽምለስ እሞ፥ ብህይወት ክነብር እምበር፥ ብሞት ሓጥእ ባህ ኣይብለንን እዩ፤ ኣቱም ቤት እስራኤል ስለ ምንታይከ እትሞቱ? ኻብቲ እኩይ መንገድኹም ተመለሱ፤ ተመለሱ፤ በሎም።
ንሱ ብሓይሊ እግዚኣብሄርን፥ ብግርማ ስም እግዚኣብሄር ኣምላኹን፥ ንመጓሰኡ ክጓስየን እዩ። ሽዑ ንሱ ኽሳዕ ወሰን ምድሪ ዓብዪ ክኸውን እዩ እሞ፥ ንሳቶምውን ክነብሩ እዮም።
ሓጢኣት ዝሓድግ፥ በደል እቶም ዝተረፉ ርስቱ ዝኾኑ ህዝቢ ዘሕልፍ፥ ከማኻ ዝበለ ኣምላኽ መን እዩ? ምሕረት ይፈቱ እዩሞ፥ ቍጥዓኡውን ንዘለኣለም ኣይዓቍርን።
እግዚኣብሄር ኣምላኽኪ፥ ኣብ ማእኸልኪ ዘናግፍ ሓያል እዩ፤ ብታሕጓስ ብኣኺ ኽሕጐስ እዩ፤ ብፍቕሩውን ክዓርፍ እዩ፤ ብፍፁም ሓጐስ ብኣኺ ኽሕጐስ እዩ፥ ክበሃል እዩ።
እዝ ሓውካ ግና ሞይቱ ነይሩ፥ ሓውዩ፤ ጠፊኡ ነይሩውን፥ ተረኺቡ እዩ እሞ፥ ክንሕጐስን ደስ ኽብለናን ይግብአና እዩ’ በሎ።”
“ካባኻትኩም ሚእቲ ኣባጊዕ ዘለዋኦ እሞ፥ ካብኣተን ሓንቲ እንተ ጠፍአቶ፥ ነተን ተስዓን ትሽዓተን ኣብ በረኻ ሓዲጉ፥ ነታ ዝጠፍአት ክሳዕ ዝረኽባ፥ ክደሊ ዘይኸይድ ኣየናይ ሰብ እዩ?
ናብ ገዛኡ ምስ ተመለሰ ድማ፥ ነዕርኽቱን ንጐረባብቱን ብሓባር ፀዊዑ፥ ‘እታ ዝጠፍአትኒ በጊዐይ ረኺበያ እየ እሞ፥ ምሳይ ተሓጐሱ’ ይብሎም።
ኢየሱስ ድማ “ሎሚ ነዝ ገዛ እዙይ፥ ድሕነት ኮነሉ፤ ንሱውን ወዲ ኣብርሃም እዩሞ።
ኢየሱስ ድማ “ሎሚ ኣብ ገነት፥ ምሳይ ከም እትኸውን፥ ብሓቂ እብለካ ኣለኹ” በሎ።
ሓጐሰይ ኣባኻትኩም ምእንቲ ኽነብር፥ ሓጐስኩምውን ምሉእ ምእንቲ ክኸውንስ እዙይ ነገርኩኹም።
ንሕና ፍጥረቱ ኢናሞ፥ ምእንቲ ኽንመላለሰሉ ኣቐዲሙ ዘዳለዎ ሰናይ ተግባር እናፈፀምና ኽንነብር፥ ብኢየሱስ ክርስቶስ ተፈጠርና።
ኣነ ኸዓ በቲ ኣሰራርሓ ሓይሉ ዝተዓደለኒ ውህብቶ ፀጋ እግዚኣብሄር፥ ናይዝ ወንጌል እዙይ ኣገልጋሊ ኾንኩ።
እቲ ንሕና እንሰብኮ ወንጌል፥ ብሓይልን ብመንፈስ ቅዱስን፥ ብምሉእ ምርዳእን እምበር፥ ብቓል ጥራሕ ኣይመፀኩምን። ንሕናውን ምእንታኻትኩም ክንብል፥ ኣብ ማእኸልኩም ከመይ ኢልና ኸም ዝነበርና ትፈልጡ ኢኹም።
ንሳቶም ከዓ፥ ካብቲ ፍቓዱ ኽገብሩ ኢሉ፥ ኣሲርዎም ዝነበረ መፈንጠር ዲያብሎስ ኣምሊጦም፥ ናብ ልቦም ክምለሱ እዮም።
ንዅሉ ውርደት ንዒቑ፥ ምእንቲ እቲ ኣብ ቅድሚኡ ዘሎ ሓጐስ ኢሉ፥ ኣብ መስቀል ሙማት ዝተዓገሰ፥ ኣብ የማን ዙፋን እግዚኣብሄር ዝተቐመጠ፥ ናይ እምነትና ጀማሪን ፈፃሚን ናብ ዝኾነ ኢየሱስ ንጠምት።
ንስኻትኩም ስለ ዝኣመንኩም፥ እቲ ኣብ መወዳእታ ዘመን ክገሃድ ዘለዎ ድሕነት ክሳዕ ዝመፅእ፥ ብሓይሊ እግዚኣብሄር ተሓሊኹም ኣለኹም።