4 “ካባኻትኩም ሚእቲ ኣባጊዕ ዘለዋኦ እሞ፥ ካብኣተን ሓንቲ እንተ ጠፍአቶ፥ ነተን ተስዓን ትሽዓተን ኣብ በረኻ ሓዲጉ፥ ነታ ዝጠፍአት ክሳዕ ዝረኽባ፥ ክደሊ ዘይኸይድ ኣየናይ ሰብ እዩ?
ከም ዘጠፍአ በጊዕ ኰለል እብል ኣለኹ፤ ትእዛዛትካ ኣይረሳዕኹንሞ፥ ንባርያኻ ድለዮ።
ኵላትና ኸም ዝተበታተና ኣባጊዕ ጠፋእና፤ ነፍሲ ወከፍ ነናብ መንገዱ ዘምበለ፤ እግዚኣብሄር ከዓ ንበደል ኵላትና፥ ኣብ ልዕሊኡ ኣንበሮ።”
ኣብ ደጕዓ ኣብ ዘለዋ ኸተማታት፥ ኣብ ቈላ ኣብ ዘለዋ ኸተማታት፥ ኣብ ደቡብ ኣብ ዘለዋ ኸተማታት፥ ኣብ ምድሪ ብንያምን ኣብ ከባቢ ኢየሩሳሌምን ኣብ ዘለዋ ኸተማታት፥ ኣብ ይሁዳ ኣብ ዘለዋ ኸተማታት፥ እተን መጓሰታት መሊሰን ብትሕቲ ኢድ እቲ ተቘፃፃሪአን ክሓልፋ እየን፤ ይብል እግዚኣብሄር።”
“ህዝበይ፥ ከም ዝጠፍኣ ኣባጊዕ ኾኑ፤ ጓሶቶም ኣጋገይዎም፤ ንሳቶም ኣብ እምባታት ኰለል ከም ዝብሉ ገበርዎም። ካብ እምባ ናብ ኰረብታታት ከርተት በሉ፤ መሕደሪኦምውን ረስዑ።
“ዝጠፍአት ክደሊ፥ እተባረረት ክመልስ፥ እተሰብረት ክፅግን፥ ዝደኸመት ከዓ ኸበርትዕ፥ ነታ ዝሰብሐትን ዝበርትዐትን ግና ኸጥፍእ፥ ብፍትሒውን ክጓስየን እየ።
“ኣቱም ኣባጊዐይ፥ ኣባጊዕ መውፈሪየይ፥ ንስኻትኩም ሰባት ኢኹም፤ ኣነ ኸዓ ኣምላኽኩም እየ” ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
ንዝደኸማ ኣየበርታዕኩምን፤ ንዝሓመማ ኣይፈወስኩምን፤ ንዝተሰብረት ኣይፀገንኩምን፤ ንዝተባረረት ኣይመለስኩምን፤ ንዝጠፍአት ኣይደለኹምን፤ ብሓይልን ብትርን ደኣ ገዛእኹምወን።
ኣነ ህያው እየ፥ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፤ ኣባጊዐይ ተዘሪፈን፥ ኣባጊዐይ ከዓ ንዅሎም ኣራዊት በረኻ መብልዕ ኮይነን፥ እቶም ጓሶት ኣይነበሩን። ጓሶተይ ድልየት ኣባጊዐይ ኣይገበሩን፤ እቶም ጓሶት ንርእሶም ጓሰዩ እምበር፥ ነባጊዐይስ ኣይጓሰይወንን እዮም እሞ፥
ኢየሱስ ከዓ፦ “ካባኻትኩምከ ሓንቲ በጊዕ ዘላቶ እሞ፥ ብሰንበት ናብ ጕድጓድ እንተ ወደቐት፥ ሒዙ ዘየውፅኣ ሰብ መን እዩ?
ጐይታ ኸዓ፦ “ኣቱም ግብዛት፥ ነፍሲ ወከፍ ካባኻትኩም ንብዕራዩ ወይ ንኣድጉ፥ ብሰንበት ካብ መእሰሪኡ ፈቲሑ፥ ማይ ከስትዮዶ ኣይወስዶን ኢዩ?
ሽዑ ኸምዙይ ኢሉ መሰለሎም፦
ወዲ ሰብ ዝመፀ፥ ንዝጠፍአ ኽደልን ከድሕንን እዩ እሞ” በሎ።
ስለዙይ ኣታ ንኻልእ እትፈርድ ሰብ፥ እተመኽንዮ የብልካን፤ በቲ ዅሉ ንኻልእ እትፈርደሉ ነገር፥ ንባዕልኻ ትዅንን ኣለኻ፤ ነቲ ፈራዲ ዝኾንካሉ፥ ንስኻውን ንእኡ ትገብሮ ኣለኻሞ።
ከም ዝጠፍኡ ኣባጊዕ፥ ከርተት ትብሉ ኔርኩም፤ ሕዚ ግና ናብቲ ጓሳኹምን፥ ሓላዊ ነፍስኹምን፥ ተመሊስኩም ኣለኹም።