12 እቲ ንእሽተይ ነቦኡ ‘ኣቦይ፥ ካብ ገንዘብካ እቲ ዝብፅሐኒ ግደይ ሃበኒ’ በሎ፤ ንሱ ኸዓ፥ ነቲ ገንዘቡ መቒሉ ሃቦ።
ኦ ጐይታ፥ ካብ ሰባት፥ ተስፋኦም ኣብዛ ህይወት እዚኣ ጥራሕ ካብ ዝኾነ ሰባት፥ ብኢድካ ኣድሕነኒ፤ ካብቲ ዝሰወርካዮ መዝገብካ ከብዶም ኣፅገብካ፤ ደቆምውን ብዙሓት እዮም፤ እቲ ዝተረፎም ድማ ንህፃናቶም ይሓድጉ።
ኵሎም እዚኣቶም ካብ ተረፎም እዮም ዘእተዉ፤ እዚኣ ግና ስእንቲ እንተላ፥ እታ ዘለታ ጥሪታ እያ ዝሃበት” በሎም።
ከምዙይ ድማ በሎም፦ “ንሓደ ሰብኣይ ክልተ ደቂ ነበርዎ።
ድሕሪ ቑሩብ መዓልቲ ድማ እቲ ንእሽተይ ወዲ፥ ኵሉ ገንዘቡ ኣኪቡ፥ ናብ ርሑቕ ሃገር ከደ። ኣብኡ ድማ ነቲ ገንዘቡ፥ ብስድነትን ብስኽራንን በተኖ።
እዝ ምስ ኣመንዝራታት ገንዘብካ ዝበተነ ወድኻ ምስ መፀ ግና፥ ስቡሕ ዝራብዕ ሓሪድካሉ’ በሎ።