4 ንሳቶም ከዓ ኣፅቀጡ፤ ንሱ ግና ኣሕውዩ ሰደዶ።
እንተ ኾነ ሓደ እኳ ቓል ክምልሰሉ ዝኸኣለ ኣይነበረን። ካብታ መዓልቲ እቲኣ ጀሚሩ ኸዓ፥ ሓደ እኳ ኽጥይቖ ኣይደፈረን።
ኢየሱስ ንሊቃውንቲ ሕግን ፈሪሳውያንን “ብሰንበት ምፍዋስስ ግቡእ ድዩ ወይ ኣይግቡእን?” ኢሉ ጠየቖም።
መሊሱ ድማ፦ “ካባኻትኩምከ ኣድጉ ወይ ብዕራዩ ናብ ጕድጓድ እንተ ወደቐ፥ ሽዑ ንሽዑ ብመዓልቲ ሰንበት ዘየውፅኦ መን ኣሎ?” ኢሉ ጠየቖም።