3 ኢየሱስ ንሊቃውንቲ ሕግን ፈሪሳውያንን “ብሰንበት ምፍዋስስ ግቡእ ድዩ ወይ ኣይግቡእን?” ኢሉ ጠየቖም።
እንሆ ኸዓ ኢዱ ዝሰለለት ሰብኣይ ኣብኡ ነበረ። ምእንቲ ክኸስዎ ኸዓ፥ “ብሰንበት ምሕዋይዶ ይግባእ እዩ?” ኢሎም ጠየቕዎ።
ፈሪሳውያን ድማ እዙይ ሪኦም “ረአ! ደቀ መዛሙርትኻ ብሰንበት ክግበር ዘይግባእ ይገብሩ ኣለዉ” በልዎ።
ካብኣቶም ሓደ ምሁር ሕጊ ድማ፥ ክፍትኖ “መምህር፥ ካብ ኦሪት ኣየነይቲ ትእዛዝ ትዓቢ?” ኢሉ ጠየቖ።
ንኣኣቶም ድማ “ብሰንበትስ ፅቡቕ ምግባርዶ ወይ ክፉእ ምግባር? ነፍሲ ምድሓንዶ ወይ ምቕታል ይግባእ?” በሎም። ንሳቶም ግና ስቕ በሉ።
እንሆ፥ ከብዱ ዝተነፍሐ ሰብኣይ ኣብ ቅድሚኡ ነበረ።
ንሳቶም ከዓ ኣፅቀጡ፤ ንሱ ግና ኣሕውዩ ሰደዶ።
ኢየሱስ ከዓ “እስኪ ኽጥይቐኩም፤ ብሰንበት ፅቡቕ ምግባርዶ ወይ ክፉእ ምግባር፥ ነፍሲ ምድሓንዶ ወይ ምቕታል ይግባእ?” በሎም።
እቲ ሕጊ ሙሴ ምእንቲ ኸይጠሓስ፥ ሰብ ብሰንበት ዝግረዝ ካብ ኮነ፥ ኣነ ንሰብ ኵለንትናኡ ብሰንበት እንተ ኣሕወኹዎ ደኣ፥ ስለ ምንታይ ትነቕፉኒ?