10 ምስ ተዓደምካ፥ ኬድካ ኣብ ዝተሓተ መቐመጢ ተቐመጥ። ሽዑ እቲ ዝዓደመካ መፂኡ ‘ዓርከይ፥ ናብቲ ዝለዓለ መቐመጢ ደይብ’ ይብለካ፤ ሽዑ ኣብ ቅድሚ እቶም ኵሎም ዕዱማት መቓምጥኻ፥ ክብሪ ክኾነካ እዩ።
ንእግዚኣብሄር ምፍራሕ ናይ ጥበብ ትምህርቲ እዩ፤ ንኽብረት ከዓ ትሕትና ትቕድማ።
ደቂ እቶም ዝገፍዑኺ፥ ክሳዶም እናድነኑ ናባኺ ኽመፁ፥ እቶም ዝነዓቑኺ ዅሎም ድማ፥ ኣብ ትሕቲ ኣእጋርኪ፥ ፍግም ኢሎም፥ ክሰግዱልኪ እዮም እሞ፥ ‘ፅዮን፥ ከተማ እግዚኣብሄር፥ ናይቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ’ ኢሎም ክፅውዑኺ እዮም።”
እንሆ፥ ካብቶም ማሕበር ሰይጣን ዝኾኑ፥ ኣይሁድ እንተይኮኑ፥ ሓስዮም “ኣይሁድ ኢና” ዝብሉ፥ መፂኦም ኣብ እግርኻ ወዲቖም፥ ከም ዝሰግዱልካ ኽገብሮም እየ። ኣነ ኸም ዘፍቅረካውን ከፍልጦም እየ።
ሳሙኤል ድማ “ንስኻ ንርእስኻ ንእሽተይ ጌርካ እንተ ገመትካያኳ፥ ሓለቓ ነገዳት እስራኤል ኮንካ፤ እግዚኣብሄር ድማ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ንጉስ ክትከውን ቀብአካ።