7 ነቲ ሓላዊ ኣታኽልቲ ወይኒ ኸዓ፥ ‘እንሆ፥ ካብዛ በለስ እዚኣ ፍረ ደልየ፥ ሰለስተ ዓመት ተመላሊሰ ኣይረኸብኩላን። እምበኣር ቍረፃ፤ ንምንታይከ መሬት እተፅርዕ?’ በሎ።
ሕዚ ቝጥዓይ ኣብኣቶም ክነድድ እሞ፥ ከጥፍኦም ሕደገኒ። ንኣኻ ግና ዓብዪ ህዝቢ ኽገብረካ እየ” በሎ።
ንሱ ኸዓ ዓው ኢሉ ነዝ ኦም ቍረፅዎ፤ ጨናፍሩ ጠጥፉ፤ ቈፅሉ ኣርግፉ፤ ፍረኡ በትኑ፤ እቶም ኣብ እግሩ ዘለዉ እንስሳን፥ እቶም ኣብ ጨናፍሩ ዘለዉ ኣዕዋፍውን ይህደሙ።
ናብታ ምድሪ ምስ ኣተኹም፥ ኵሉ ዓይነት ዝብላዕ ኦም ድማ ምስ ተኸልኩም፥ ነቲ ፍረኡ ኸም ዘይተገርዘ ጌርኩም ረአይዎ። ሰለስተ ዓመት ከም ዘይተገርዘ ይኹንኩም፤ ኣይበላዕውን።
በታ ሻድሸይቲ ዓመት በረኸተይ ክእዝዘልኩም እየ፤ ምድሪ ኸዓ ንሰለስተ ዓመት ዝኸውን ፍረ ኸተፍርየልኩም እያ።
ዅሉ ፅቡቕ ፍረ ዘይፈሪ ኦም ይቝረፅ፤ ናብ ሓዊ ድማ ይድርበ።
ንሱ ግና፥ ‘ጐይታ! ወሰን ወሰና ኽሳዕ ዝዅስኵሳ፥ ድዅዒውን ኽሳዕ ዝድኵዓ፥ ነዛ ዓመት እዚኣ ሕደጋ።
እንሆ ማሕፀ ኣብ ሱር ኣእዋም ተቐሪቡ ኣሎሞ፥ ኵሉ ፅቡቕ ፍረ ዘይፈሪ ኦም ክቝረፅ እዩ፤ ናብ ሓዊውን ክድርበ እዩ” ይብሎም ነበረ።
ነቲ ዅሉ ኣባይ ዘሎ፥ ፍረ ዘይፈሪ ጨንፈር የወግዶ፤ ነቲ ፍረ ዝፈሪ ጨንፈር ግና፥ ብዙሕ ምእንቲ ኽፈሪ የፅርዮ።
ኵሉ ኣባይ ዘይነብር፥ ከም ጨንፈር ንወፃኢ ተደርቢዩ ይነቅፅ፤ ኣኪቦም ድማ፥ ናብ ሓዊ ይድርብይዎ እሞ ይነድድ።