4 ወይ እቶም ኣብ ሰሊሆም መንደቕ ዝወደቖም እሞ፥ ዝቐተሎም ዓሰርተ ሸሞንተኸ፥ ካብቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነብሩ ዅሎም ሰባት፥ ዝበዝሐ ሓጢኣት ዝነበሮምዶ ይመስለኩም?
እቶም ዝተረፉ ግና ናብ ኣፌቅ ናብታ ኸተማ ሃደሙ። ነቶም ዝተረፉ ዕስራን ሸውዓተን ሽሕ ሰባት ከዓ መካበብያ ወደቖም። ወልደ ኣዴር ድማ ሃዲሙ ኣብታ ኸተማ ተሓብአ።
ሰሎም ወዲ ኮልሖዜ፥ ሹም ግዝኣት ምፅጳ ድማ ንበሪ ዒላ ሓደሶ፤ ነዲቑውን ከደኖ፤ መዓፁን መርሖታትን መሸጐሪታትንውን ገበረሉ። ብዘይ እዙይ ድማ ኻብቲ ጥቓ ኣታኽልቲ ንጉስ ዘሎ መሐመሲ ወሽመጥ ክሳዕ እቲ ኻብ ከተማ ዳዊት ዘውርድ መሳልል ዘሎ መንደቕ ሰርሐ።
ሽዑ ብርቱዕ ኣውሎ ንፋስ ካብ በረኻ መፂኡ፥ ነታ ቤት በርባዕተ መኣዝና ወቕዓ፤ ናብ ርእሲ እቶም ደቂ ድማ ወደቐት፤ ንሳቶም ከዓ ሞቱ። ኣነ በይነይ ጥራሕ እየ ነዙይ ክነግረካ ዘምለጥኩ” በሎ።
“እዝ ህዝቢ እዙይ ነቲ ብርግኣት ዝፈስስ ማይ ሰሊሆም ፀሊኡ፥ ረኣሶንን ወዲ ሮሜልዩን ፈትዩ እዩ እሞ፥
ክፀባፀብ ምስ ጀመረ ዓሰርተ ሽሕ መክሊት ዕዳ ዘለዎ ሰብ ኣምፅኡሉ።
ንሕና ንዝበደሉና ይቕረ ኸም እንብለሎም፥ በደልና ይቕረ በለልና፤
ንሕና ንዝበደሉና ይቕረ ኸም እንብለሎም፥ ሓጢኣትና ይቕረ በለልና፤ ካብ ክፉእ ኣድሕነና እምበር፥ ናብ ፈተና ኣይተእትወና።’ ”
ኣይኮነን፤ እንተ ዘይተነሲህኹምስ፥ ኵልኻትኩምውን ከምኣቶም ክትጠፍኡ ኢኹም እብለኩም ኣለኹ።
ኣይኮነን፤ እንተ ዘይተነሲህኹምስ፥ ኵልኻትኩም ከምኣቶም ክትጠፍኡ ኢኹም” በሎም።
ንሱ ኸዓ “ኢየሱስ ዝበሃል ሰብ ፀብሪ ገይሩ ኣዒንተይ ቀቢኡ፥ ‘ናብ ሰሊሆም ኪድ እሞ ተሓፀብ’ በለኒ፤ ከይደ ምስ ተሓፀብኩ ድማ ረአኹ” ኢሉ መለሰሎም።
“ኬድካ ኣብ ቃላይ ሰሊሆም ተሓፀብ” በሎ። ሰሊሆም ማለት “ዝተልኣኸ” ማለት እዩ። ንሱውን ከይዱ ተሓፀበ እሞ፥ እናረአየ ተመለሰ።
እቶም ደቂ ዓዲ ኸዓ፥ እታ ኣፍዑት ኣብ ኢዱ ኣንጠልጢላ ምስ ረአዩዋ፥ ንስንሳቶም “እዝ ሰብኣይ እዙይ ብርግፅ ቀታሊ ነፍሲ እዩ፤ ካብ ባሕሪ እኳ እንተ ደሓነ፥ ፍርዲ እግዚኣብሄር ብህይወት ክነብር ኣይሓደጎን” ተበሃሃሉ።