2 ኢየሱስ መሊሱ ኸምዙይ በሎም፦ “ነዞም ገሊላውያን እዚኣቶም፥ እዝ መከራ እዙይ ዝረኸቦምስ፥ ካብ ኵሎም ገሊላውያን ዝገደዱ ሓጢኣተኛታት ስለ ዝነበሩዶ ይመስለኩም?
በቲ ወርሓት እቱይ፥ ሰባት መፂኦም ብዛዕባ እቶም ጲላጦስ ቀቲሉ፥ ደሞም ምስ መስዋእቶም ዝሓዋወሶ ገሊላውያን ነገርዎ።
ኣይኮነን፤ እንተ ዘይተነሲህኹምስ፥ ኵልኻትኩምውን ከምኣቶም ክትጠፍኡ ኢኹም እብለኩም ኣለኹ።
ወይ እቶም ኣብ ሰሊሆም መንደቕ ዝወደቖም እሞ፥ ዝቐተሎም ዓሰርተ ሸሞንተኸ፥ ካብቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነብሩ ዅሎም ሰባት፥ ዝበዝሐ ሓጢኣት ዝነበሮምዶ ይመስለኩም?
ደቀ መዛሙርቱ ድማ፥ “መምህር፥ እዝ ሰብ እዙይ ዕዉር ኮይኑ ዝተወለደ፥ ብናይ መን ሓጢኣት እዩ? ብናይ ባዕሉ ድዩ ወይ ብናይ ወለዱ?” ኢሎም ጠየቕዎ።
እቶም ደቂ ዓዲ ኸዓ፥ እታ ኣፍዑት ኣብ ኢዱ ኣንጠልጢላ ምስ ረአዩዋ፥ ንስንሳቶም “እዝ ሰብኣይ እዙይ ብርግፅ ቀታሊ ነፍሲ እዩ፤ ካብ ባሕሪ እኳ እንተ ደሓነ፥ ፍርዲ እግዚኣብሄር ብህይወት ክነብር ኣይሓደጎን” ተበሃሃሉ።