12 ኢየሱስ ምስ ረአያ ፀዊዑ “ኣቲ ሰበይቲ! ኻብ ሕማምኪ ተፈቲሕኺ ኢኺ” በላ።
ቃሉ ልኢኹ ኣሕወዮም፤ ካብ መከራኣቶምውን ኣድሓኖም።
“ንዘይጠየቑኒ ተገለፅኩ፤ ንዘይደለዩኒውን ተረኸብኩ፤ ብስመይ ንዘይተፀውዐ ህዝቢ ኸዓ ‘ኣለኹልካ፥ ኣለኹልካ’ በልክዎ።
ማሕረሻኹም ሰይፊ፥ ንማዕፂድኩም ድማ ዂናት ክኸውን ቀጥቅጥዎ፤ እቲ ድኹም ድማ፥ ኣነ ጅግና እየ ይበል።
ኢየሱስ ድማ ኣብ ኵላ ገሊላ፥ ኣብ ናይ ኣይሁድ ኣብያተ ፀሎት እናመሃረ፥ ብስራት መንግስቲ እግዚኣብሄር እናሰበኸ፥ ኣብ ህዝቢ ዘሎ ዅሉ ዓይነት ሕማም እናሕወየ ይዘዋወር ነበረ።
ምስ መሰየ፥ ኣጋንንቲ ዝሓደርዎም ብዙሓት ናብኡ ኣምፅኡ፤ እቲ ብነቢይ ኢሳይያስ፥ “ንሱ ድኻምና ወሰደ፥ ሕማምናውን ፆረ” ዝተብሃለ ምእንቲ ኽፍፀም፥ ብቓሉ መናፍስቲ ኣውፅአ፤ ንዅሎም ሕማም ዘለዎም ድማ ኣሕወዮም።
እንሆ፥ ዓሰርተ ሸሞንተ ዓመት ርኹስ መንፈስ ዘድከማ ሰበይቲ ነበረት፤ ስለ ዝጐበጠትውን ፈፂማ ኽትቀንዕ ኣይትኽእልን ነበረት።
ኢዱውን ኣንበረላ፤ ሽዑ ንሽዑ ኸዓ ቐንዐት፤ ንእግዚኣብሄር ድማ ኣመስገነት።
እንሆ እዛ ዓሰርተ ሸሞንተ ዓመት፥ ሰይጣን ዝኣሰራ ጓል ኣብርሃምከ፥ ካብዝ ማእሰርቲ እዙይ ብዕለተ ሰንበት ክትፍታሕዶ ኣይግብኣን?” ኢሉ መለሰሉ።