Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ወንጌል ሉቃስ 13:11 - መፅሓፍ ቅዱስ

11 እንሆ፥ ዓሰርተ ሸሞንተ ዓመት ርኹስ መንፈስ ዘድከማ ሰበይቲ ነበረት፤ ስለ ዝጐበጠትውን ፈፂማ ኽትቀንዕ ኣይትኽእልን ነበረት።

Ver Capítulo Copiar




ወንጌል ሉቃስ 13:11
20 Referencias Cruzadas  

ሽዑ ሰይጣን ካብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ወፂኡ ኸደ እሞ፥ ንኢዮብ ካብ ከብዲ እግሩ ኽሳዕ መንበስበስታኡ ብብርቱዕ ቍስሊ ወቕዖ።


እግዚኣብሄር ብዅሉ ቓሉ እሙን እዩ፤ ብዅሉ ስራሑውን ፃድቕ እዩ። እግዚኣብሄር ነቶም ሰንከልከል ዝብሉ ዅሎም ይድግፎም፤ ነቶም ዝወደቑ ድማ የልዕሎም።


እግዚኣብሄር ንዝወደቑ የልዕሎም፤ እግዚኣብሄር ነዒንቲ ዕዉራት ጥበበኛታት ይገብሮም፤ እግዚኣብሄር ንፃድቃን ይፈትዎም፤


እምብዛ ዓበርኩ፤ ተዋረድኩውን፤ ኵልሻዕ ብትካዘ እመላለስ ኣለኹ።


ኦ ነፍሰይ ንምንታይ ትሓዝኒ? ንምንታይከ ትህውኽኒ? ንመድሓኒ ገፀይ ንኣምላኸይ ከመስግኖ ብእግዚኣብሄር ተኣመኒ።


ኦ ጐይታ፥ ድዉይ እየሞ፥ መሓረኒ፤ ኣዕፅምተይ ተሃዊኸን እየንሞ፥ ፈውሰኒ።


ኢየሱስ ድማ ኣብ ኵላ ገሊላ፥ ኣብ ናይ ኣይሁድ ኣብያተ ፀሎት እናመሃረ፥ ብስራት መንግስቲ እግዚኣብሄር እናሰበኸ፥ ኣብ ህዝቢ ዘሎ ዅሉ ዓይነት ሕማም እናሕወየ ይዘዋወር ነበረ።


ኢየሱስ ድማ ነቦኡ “ካብ መኣዝ ጀሚሩ እዩ ዝሓዞ?” ኢሉ ጠየቖ፤ ንሱ ኸዓ “ኻብ ንእስነቱ እዩ፤


ኢየሱስ ምስ ረአያ ፀዊዑ “ኣቲ ሰበይቲ! ኻብ ሕማምኪ ተፈቲሕኺ ኢኺ” በላ።


እንሆ እዛ ዓሰርተ ሸሞንተ ዓመት፥ ሰይጣን ዝኣሰራ ጓል ኣብርሃምከ፥ ካብዝ ማእሰርቲ እዙይ ብዕለተ ሰንበት ክትፍታሕዶ ኣይግብኣን?” ኢሉ መለሰሉ።


እዙይ ክኸውን ምስ ጀመረ፥ ምድሓንኩም ቀሪቡ እዩ እሞ፥ ርእስኹም ኣቕኒዕኹም ንላዕሊ ተመልከቱ።”


ከምኡውን ካብ ርኹሳት መናፍስትን፥ ካብ ሕማምን ዘሕወየን ኣንስቲ ነበራ፤ ንሳተንውን እታ ሸውዓተ ኣጋንንቲ ዝወፁላ መግደላዊት ዝብልዋ ማርያም፥


ኢየሱስ ካብ ጃልባ ናብ ምድሪ ምስ ወረደ፥ ኣጋንንቲ ዝሓደርዎ ሰብኣይ፥ ካብታ ኸተማ ወፂኡ ተራኸቦ። ንሱ ኸዓ ንነዊሕ ዘመን ክዳን ዘይኽደን፥ ኣብ መቓብር እምበር፥ ኣብ ገዛ ዘይቕመጥ እዩ ዝነበረ።


ካብ ዓሰርተ ኽልተ ዓመት ጀሚሩ ደም ዝፈስሳ ሰበይቲ ድማ መፀት፤ ንሳ ዅሉ ገንዘባ ንሓኻይም ሂባ ወድአት፤ እንተ ኾነ ሓደ እኳ ኸሕውያ ኣይከኣለን።


ካብ ዝውለድ ጀሚሩ፥ መፃጕዕ ዝኾነ ሓደ ሰብኣይ ነበረ፤ ካብቶም ናብ ቤተ መቕደስ ዝኣትዉ ምፅዋት ምእንቲ ኽልምን ከዓ፥ ፆይሮም ዕለት ዕለት፥ ኣብታ “ፅብቕቲ” እትብሃል ኣፍ ደገ ቤተ መቕደስ፥ የቐምጥዎ ነበሩ።


እቲ ናይ ምሕዋይ ተኣምራት ዝተገበረሉ ሰብኣይ ድማ፥ ዕድሜኡ ልዕሊ ኣርብዓ ዓመት ነበረ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos