1 በቲ ወርሓት እቱይ፥ ሰባት መፂኦም ብዛዕባ እቶም ጲላጦስ ቀቲሉ፥ ደሞም ምስ መስዋእቶም ዝሓዋወሶ ገሊላውያን ነገርዎ።
ሬስ። ኦ እግዚኣብሄር፥ ተመልከት፤ ኣብ ልዕሊ መን ከምዙይ ከም ዝገበርካ ተመልከት፤ ብሓቂዶ እኖታት ነቶም ፍረ ማህፀነን ዝኾኑ፥ ዘሐንቀቓኦም ህፃናት ይበልዓ እየን? ካህንን ነቢይንከ ኣብ መቕደስካዶ ይሕረዱ እዮም?
ምስ ወግሐ፥ ኵሎም ሊቃነ ካህናትን ሽማግለታት ህዝብን፥ ንኢየሱስ ክቐትልዎ ተማኸሩ።
ኣሲሮም ወሰድዎ እሞ፥ ንጲላጦስ ነቲ ሹም ኣሕሊፎም ሃብዎ።
“ኣቱም ሰብ ገሊላ፥ ስለ ምንታይ ኢኹም፥ ናብ ሰማይ ኣንቃዕሪርኩም እናጠመትኩም፥ ደው ኢልኩም ዘለኹም? እዝ ኻባኻትኩም፥ ናብ ሰማይ ዝዓረገ ኢየሱስ፥ ከምቲ ናብ ሰማይ ክዓርግ እንተሎ ዝረአኹምዎ፥ ከምኡ ኢሉ ኸዓ ኽመፅእ እዩ” በልዎም።
ኵላቶም ተገሪሞምን ተደኒቖምን፦ “እንሆ እዞም ዝዛረቡ ዅላቶም፥ ገሊላውያንዶ ኣይኮኑን?
ብድሕሪኡ ኸዓ ብጊዜ እቲ ህዝቢ ዝተቖፀረሉ ዘመን፥ ይሁዳ በዓል ገሊላ ተስአ፤ ብዙሕ ህዝቢ ድማ ኣስድዐ፤ ንሱ ተቐተለ፤ ኵሎም እቶም ዝሰዓብዎ ድማ ተበተኑ።