9 እቲ ኣብ ቅድሚ ሰብ ዝኽሕደኒ ግና፥ ኣብ ቅድሚ መላእኽቲ እግዚኣብሄር ክኽሕዶ እየ።
ኣብ ቅድሚ ሰብ ንዝኽሕደኒ ግና፥ ኣነውን ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ክኽሕዶ እየ።
ንሱ ግና “ብሓቂ እብለክን ኣለኹ፤ ኣይፈልጠክንን” ኢሉ መለሰለን።
“ወዲ ሰብ ምስ ኵሎም ቅዱሳን መላእኽቱ፥ ብኽብሩ ኣብ ዝመፀሉ ጊዜ፥ ሽዑ ኣብ ዙፋን ክብሩ ኽቕመጥ እዩ።
“ብድሕሪዙይ ኣብ ፀጋሙ ንዘለዉ ‘ኣቱም ርጉማን፥ ካባይ ረሓቑ፤ ናብቲ ንሰይጣንን ንመላእኽቱን ዝተዳለወ፥ ናብ ናይ ዘለኣለም ሓዊ ኺዱ፤
ሽዑ ኣነ ‘ኣቱም ገበርቲ ዓመፃ፥ ከቶ ኣይፈልጠኩምን፤ ካባይ ረሓቑ!’ ኽብሎም እየ።”
እቲ ኣብዝ ዘማውን ሓጥእን ዝኾነ ትውልዲ እዙይ፥ ብኣይን ብቓለይን ዝሓፍር፥ ወዲ ሰብ ብግርማ ኣቦኡ ምስ ቅዱሳን መላእኽቱ ምስ መፀ፥ ብእኡ ኽሓፍር እዩ።”
ከምኡ ኸዓ ብሓደ ዝንሳሕ ሓጥእ፥ ኣብ ቅድሚ መላእኽቲ እግዚኣብሄር፥ ሓጐስ ክኸውን እዩ እብለኩም ኣለኹ።”
ንሱ ግና፥ “ኣቲ ሰበይቲ ኣነ ኣይፈልጦን እየ” ኢሉ ኸሓደ።
ኵሉ ብኣይን ብቓለይን ዝሓፍር፥ ‘ወዲ ሰብ’ ብግርማኡን ብግርማ ኣቦኡን ምስ ቅዱሳን መላእኽቱ ኽመፅእ እንተሎ፥ ብእኡ ኽሓፍር እዩ።
እንተ ተዓገስና፥ ምስኡ ኸዓ ኽንነግስ ኢና። እንተ ኸሓድናዮ፥ ንሱውን ክኽሕደና እዩ።
እቲ ንወልድ ዝኽሕድ፥ እግዚኣብሄር ኣብ፥ ኣብኡ የለን፤ እቲ ንወልድ ዝኣምን ግና፥ እግዚኣብሄር ኣብ፥ ኣብኡ ኣሎ።
እምበኣር ደቀይ፥ ንሱ ኽግለፅ እንተሎ ትብዓት ምእንቲ ኽንረክብ፥ በታ ዝመፀላ መዓልቲ እውን፥ ኣብ ቅድሚኡ ምእንቲ ኸይንሓፍርስ፥ ኣብ ክርስቶስ ንበሩ።
ንግብርኻ እፈልጦ እየ። ዓቕምኻ ድኹም እዩ፤ እንተ ኾነ ንቓለይ ሓለኻዮ፥ ንስመይውን ኣይከሓድካዮን። ስለዙይ ሓደኳ ኽዓፅዎ ዘይኽእል፥ ክፉት ኣፍ ደገ ሂበካ ኣለኹ።