7 ንስኻትኩምስ፥ ኵለን ፀጕሪ ርእስኻትኩምውን ቍፁራት እየን። እምበኣርከስ፥ ካብ ብዙሓት ኣዕዋፍ ትበልፁ ኢኹም እሞ፥ ኣይትፍርሑ።
ንሳ ድማ “በይዛኻ፥ እቲ ፈዳዪ ደም ጥፍኣት ከየብፅሕ እሞ ንወደይ ከይቐትሎስ፥ ንጉስ፥ ብእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ቃል እተወለይ” በለቶ። ንሱ ድማ “ካብ ወድኺ ሓንቲ ፀጕሪ እኳ ኣብ ምድሪ ኸም ዘይትወድቕ፥ ብህያው እግዚኣብሄር እምሕል ኣለኹ” በላ።
ኣብ ልዕሊ ዅሉ ስራሕ ኣእዳውካ ሸምካዮ፤ ንዅሉ ኣብ ትሕቲ እግሩ ኣግዛእኻሉ።
ካብ በጊዕስ ሰብዶ ግዳ እምብዛ ኣይበልፅን? እምበኣር ብሰንበት ፅቡቕ ምግባር ግቡእ እዩ” በሎም።
ነዕዋፍ ሰማይ ተመልከቱ፤ ናይ ሰማይ ኣቦኻትኩም ደኣ ይምግቦም እምበር፥ ኣይዘርኡ፥ ኣይዓፅዱ፥ ኣብ ማዕኸንውን ኣይእክቡን እዮም። ንስኻትኩምዶ ግዳ ኻብኣቶም የመና ኣይትበልፁን?
ግና ኻብ ርእስኹም፥ ሓንቲ ፀጕሪ እኳ ኣይትጠፍእን እያ።
“እምበኣርከስ፥ ካባኻትኩም ናይ ሓደ ፀጕሪ ርእሱ እኳ ኣይትጠፍእን እያ እሞ፥ ብህይወት ምእንቲ ኽትፀንሑ፥ ክትበልዑ እልምነኩም ኣለኹ” በሎም።
እቶም ህዝቢ ግና ንሳኦል “ዮናታን ሎሚ መዓልቲ ምስ ኣምላኽ ኮይኑ ዓብዪ ዓወት ሂቡና እዩ እሞ፥ እዝ ዓብዪ ምድሓን እዙይ ኣብ እስራኤል ዝገበረዶ ኽመውት እዩ? የለን ኣይኸውንን። ካብ ፀጕሪ ርእሱ ሓንቲ እኳ ኣብ ምድሪ ኸም ዘይትወድቕ ብህያው እግዚኣብሄር ንምሕል ኣለና” በሉ። እቶም ህዝቢ ኸዓ ንዮናታን ካብ ሞት ኣድሓንዎ።