4 “ንኣኻትኩም ነዕርኽተይ እብለኩም ኣለኹ፤ ስጋ ንዝቐትሉ፥ ብድሕሪኡ ኻብኡ ሓሊፎም፥ ሓደ እኳ ኽገብሩ ንዘይኽእሉ ኣይትፍርሑ።
ንሰብ ምፍራሕ፥ ኣብ መፃወድያ የእቱ፤ እቲ ብእግዚኣብሄር ዝእመን ግና፥ ብሰላም ይነብር።
ሓፍተይ፥ መርዓተይ፥ ናብ ገነተይ ኣትየ፥ ከርበይን ምዑዝ ቀመማተይን እእክብ ኣለኹ። ሕብስተይ ምስ መዓረይ፥ ወይነይ ድማ ምስ ፀባይ ሰተኹ። ኣቱም ኣዕርኽተይ፥ ብልዑ፤ ስተዩ፤ ኣቱም ፍቑራት፥ ክሳዕ እትረውዩ ኣብዚሕኹም ስተዩ።
ኣፉ የመና ጥዑም እዩ፤ ኵለንትናኡ ኸዓ ፍትዊ እዩ፤ ኣትን ኣዋልድ ኢየሩሳሌም፥ ፍቱወይ እዙይ እዩ፤ እወ፥ ፈታዊየይስ እዙይ እዩ።
“ኣታ እስራኤል ባርያይ! ኣታ ያእቆብ ዝሓረኹኻ! ዘርኢ ኣብርሃም ፈታዊየይ!
ንስኻ ግና ሕቘካ ተዓጠቕ፤ ተሲእኻ ዅሉ እቲ ኣነ ዝእዝዘካ ንገሮም። ኣነ ኣብ ቅድሚኣቶም ከየሕፍረካስ ኣብ ቅድሚኣቶም ኣይትፍራሕ።
ኣነ ኸድሕነካ ምሳኻ እየ እሞ ኣብ ቅድሚኣቶም ኣይትፍራሕ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”
“ኣታ ወዲ ሰብ፥ ንኣኣቶም ኣይትፍርሓዮም፤ ንቓላቶምውን ኣይትፍርሓዮ፤ ምንም እኳ ምስ ኣምዐን እሾዅን እንተ ኾንካ፥ ኣብ ማእኸል ዕንቅርቢታት ተቐሚጥካ እንተለኻስ፥ ዓማፂት ቤት እዮም እሞ፥ ንቓላቶም ኣይትፍርሓዮ፤ ገፆምውን ኣየደንግፅካ።
ነቲ ነፍስን ስጋን ኣብ ገሃነም ከእቱ ዝከኣሎ ደኣ ፍርሕዎ እምበር፥ ነቶም ንስጋ ዝቐትሉ፥ ንነፍሲ ግና ኽቐትልዋ ዘይከኣሎም፥ ኣይትፍርሕዎም።
ሰብ ቤዛ ኣዕርኽቱ ገይሩ፥ ንህይወቱ ኣሕሊፉ ኻብ ምሃብ ዝበልፅ ፍቕሪ የብሉን።
ኣነ ግና ፀጋ እግዚኣብሄር ዝኾነ ወንጌል ንኽምስክርን ካብ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተውሃበኒ ልእኽቶይን ጕያይን ክሳዕ ዝፍፅም፥ ንህይወተይ ኣየናሕስየላን፤ ከም ክብርቲ ገይረውን ኣይሪኣን እየ።”
ትብዓት ጴጥሮስን ዮሃንስን ምስ ረአዩ፥ ዘይተምሃሩን ተራ ሰባት ምዃኖምውን ምስ ፈለጡ ተገረሙ፤ ምስ ኢየሱስ ከም ዝነበሩ ድማ ኣለለይዎም።
በቶም ዝቃወሙኹም ኣይትደንግፁ፤ እዙይ እቲ ኻብ እግዚኣብሄር ዝኾነ፥ ንኣኣቶም ናይ ጥፍኣት፥ ንኣኻትኩም ግና ናይ ድሕነት፥ ርኡይ ምልክት እዩ እሞ።
“ኣብርሃም ብእግዚኣብሄር ኣመነ፤ ፅድቂ ኾይኑውን ተቘፀረሉ” ዝብል ቃል መፅሓፍ ተፈፀመ። በዙይውን ዓርኪ እግዚኣብሄር ተብሃለ።
ምእንቲ ፅድቂ መከራ እንተ ተቐበልኩም ግና ብፁኣን ኢኹም። ዘፈራርሐኩም እንተ ሃለወውን ኣይትፍርሑ፤ ኣይትጨነቑውን።
ነቲ ዝመፀካ መከራ ኣይትፍርሓዮ። እንሆ ምእንቲ ኽትፍተኑ፥ ዲያብሎስ ንገሊኻትኩም፥ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኽድርብየኩም እዩ፤ ዓሰርተ መዓልቲ እውን መከራ ኽረኽበኩም እዩ። ንስኻ ግና፥ ክሳዕ ሞት እሙን ኩን፤ ኣነውን፥ ኣኽሊል ህይወት ክህበካ እየ።