3 ስለዙይ እቲ ዅሉ ኣብ ፀልማት ዝተዛረብኩምዎ፥ ኣብ ብርሃን ክስማዕ እዩ፤ እቲ ኣብ ውሽጢ ገዛ፥ ኣብ እዝኒ ብሕሹኽሹኽ ዝተዛረብኩምዎ ድማ፥ ኣብ ናሕስታት ክስበኽ እዩ።
ንንጉስ ብሓሳብ እኳ ኣይትሕመዮ፤ ንሃብታምውን ኣብ መደቀሲኻ ዄንካ ኣይትፅረፎ። ዒፍ ሰማይ ነቲ ቓልካ ኽተብፅሖ እያ፤ በራሪ ዒፍውን ነገርካ ኽተውርየልካ እያ።
ብፀልማት ዝነገርኩኹም ብብርሃን ተዛረብዎ፤ ኣብ እዝንኹም ሕሹኽ ዝበልኩኹም ከዓ፥ ኣብ ልዕሊ ናሕሲ ዄንኩም ስበኽዎ።
“ኣነ ግና፥ እትፀድቕ ብቓልካ፥ እትዅነንውን ብቓልካ ኢኻ እሞ፥ ሰባት ብዝዛረብዎ ዅሉ ዘይጠቅም ቃል፥ ብመዓልቲ ፍርዲ ኽጥየቑሉ እዮም እብለኩም ኣለኹ።”
እቲ ኣብ ዝባን ናሕሲ ዝፀንሐ ኸዓ፥ ኣብ ገዛኡ ንዘሎ ኽወስድ ኣይውረድ፤