12 “በታ ሰዓት እቲኣ፥ እንታይ ከም ትምልሱን፥ እንታይ ከም ትናገሩን፥ መንፈስ ቅዱስ ክገልፀልኩም እዩ እሞ።”
እግዚኣብሄር ከዓ ንሙሴ “ንሰብ ኣፍ ዝገበረሉ መን ድዩ? በሃም ወይ ፀማም፥ ዝርኢ ወይ ዕዉር ዝገበሮኸ መን ድዩ? ኣነ እግዚኣብሄርዶ ኣይኮንኩን?
ሕዚ ኸዓ ኺድ፤ ከም እትዛረብ ክገብረካ እየ፤ እቲ እትብሎውን ክምህረካ እየ” በሎ።
ኣሕሊፎም ክህቡኹም እንተለዉ፥ በታ ሰዓት እቲኣ እንታይ ከም እትዛረቡ ኽወሃበኩም እዩ እሞ፥ ከመይ ወይ እንታይ ክንዛረብ ኢና ኢልኩም ኣይትጨነቑ።
መንፈስ ሰማያዊ ኣቦኻትኩም እዩ፥ ብኣኻትኩም ኣቢሉ ዝዛረብ እምበር፥ ንስኻትኩም ኣይኮንኩምን እትዛረቡ።
ሓደ ኻብቶም ህዝቢ ድማ “መምህር፥ ንሓወይ ርስቲ ኽመቕለኒ ተዛረበለይ” በሎ።
እቶም ኣብ ልዕሌኹም ዝለዓሉ፥ ምምላስን ምቅዋምን ዘይኽእልዎ ኣንደበትን ጥበብን፥ ኣነ ኽህበኩም እየ።
ሽዑ ጴጥሮስ ብመንፈስ ቅዱስ ተመሊኡ ኸምዙይ በሎም፦ “ኣቱም መኳንንቲ ህዝብን ሽማግለታትን፥
ነቲ ዝዛረበሉ ዝነበረ ጥበብን መንፈስን ግና ኽረትዕዎ ኣይከኣሉን።
ንእስጢፋኖስ ግና መንፈስ ቅዱስ መልኦ፤ ናብ ሰማይ ኣንቃዕሪሩ ክብሪ እግዚኣብሄርን፥ ኢየሱስ ድማ ኣብ የማን እግዚኣብሄር ቆይሙን ረአየ።