11 ናብ ቤተ ፀሎት ኣይሁድን ገዛእትን ሰብ ስልጣንን እንተ ወሰዱኹም፥ ከመይ ወይ እንታይ ከም እትምልሱ ወይ እንታይ ከም እትናገሩ ኣይትጨነቑ።
ሕዚ ኸዓ ኺድ፤ ከም እትዛረብ ክገብረካ እየ፤ እቲ እትብሎውን ክምህረካ እየ” በሎ።
ስለዙይ እንሆ፥ ነቢያትን ጠቢባንን፥ መምህራን ሕግን እልእኸልኩም ኣለኹ፤ ንገሊኣቶም ክትቀትልዎምን ክትሰቕልዎምን፥ ንገሊኣቶም ከዓ ኣብ ቤተ ፀሎትኩም ክትገርፍዎምን፥ ካብ ዓዲ ናብ ዓዲውን ክተሳጕጉዎምን ኢኹም።
ስለዙይ ንህይወትኩም ብትበልዕዎን ብትሰትይዎን ወይ ንሰብነትኩም ብትኽደንዎን ኣይትጨነቑ እብለኩም ኣለኹ። ህይወት ካብ መብልዕ፥ ሰብነት ከዓ ኻብ ክዳንዶ ኣይበልፅን እዩ?
ካባኻትኩምከ ተጨኒቑ፥ ኣብ ልዕሊ ቑመቱ ሓንቲ እመት ክውስኽ ዝኽእል መን እዩ?
ብዛዕባ ኽዳንከ ስለ ምንታይ ትጭነቑ? ዕምበባታት በረኻ ኣይፈትሉን፥ ኣይደኽሙን፥ ከመይ ኢሎም ከም ዝዓብዩ ተመልከቱ።
እምበኣር ‘እንታይ ክንበልዕ ኢና? እንታይ ክንሰቲ ኢና? እንታይከ ኽንክደን ኢና?’ ኢልኩም ኣይትጨነቑ።
እምበኣርከስ፥ ፅባሕ ንርእሳ ትጭነቕ እያ እሞ፥ ብዛዕባ ፅባሕ ኣይትጨነቑ፤ ንመዓልቲ ኽፍኣታ ይኣኽላ እዩ።”
ኢየሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ኸምዙይ በሎም፦ “ካብ ምግቢ፥ ህይወት ትዓቢ፤ ካብ ክዳንውን፥ ሰብነት እዩ ዝዓቢ፤ ስለዙይ ንህይወትኩም ብትበልዕዎ ወይ ንሰብነትኩም ብትኽደንዎ፥ ኣይትጨነቑ እብለኩም ኣለኹ።