10 ኵሉ ኣብ ልዕሊ ወዲ ሰብ፥ ዝኾነ ቓል ዝዛረብ ክሕደገሉ እዩ፤ ንመንፈስ ቅዱስ ዝፀርፍ ግና፥ ኣይሕደገሉን እዩ።
ኢየሱስ ድማ፥ “ኦ ኣቦይ! ዝገብርዎ ኣይፈልጡን እዮም እሞ፥ ይቕረ በለሎም” በለ። ንኽዳውንቱውን ዕፃ ኣውዲቖም ተኻፈልዎ።
ኣነ ቐደም ስም ጐይታ ዝፀርፍን፥ ዘሳጕጉን፥ ዝገፍዕን፥ እንተ ነበርኩ እኳ፥ ሰኣን ፍልጠትን፥ ሰኣን ምእማንን፥ ነዙይ ስለ ዝገበርክዎ፥ ምሕረት ረኸብኩ።
ሓደ፥ ንሓዉ ናብ ሞት ዘየብፅሕ ሓጢኣት ክገብር እንተ ረአዮ፥ ይፀልየሉ፤ ናብ ሞት ዘየብፅሕ ሓጢኣት እንተ ኾይኑ፥ እግዚኣብሄር ህይወት ክህቦ እዩ። ናብ ሞት ዘብፅሕ ሓጢኣት ኣሎ፤ “ይፀልየሉ” ዝብል ዘለኹ ብዛዕባ እዙይ ኣይኮነን።