4 ንሕና ንዝበደሉና ይቕረ ኸም እንብለሎም፥ ሓጢኣትና ይቕረ በለልና፤ ካብ ክፉእ ኣድሕነና እምበር፥ ናብ ፈተና ኣይተእትወና።’ ”
እቲ መልአኹ ልኢኹ ኻብ ኵሉ ኽፉእ ዘድሓነኒ እግዚኣብሄር ነዞም ቈልዑ ይባርኮም። ስመይን ስም ኣቦታተይ ኣብርሃምን ይስሓቅን ኣብኣቶም ይፀዋዕ፥ ኣብ ማእኸል ምድሪ ድማ ይብዝሑ።”
ሽዑ ንስኻ ኣብ ሰማይ ኴንካ ስማዕ፤ ሓጢኣት ህዝብኻ እስራኤል ከዓ ይቕረ በል፤ ናብታ ነቦታቶም ዝሃብካያ ምድሪ ድማ ምለሶም።
ሽዑ ንስኻ ኣብ ሰማይ ኴንካ ስማዕ፤ እታ ዝኸዱላ ቕንዕቲ መንገዲ ኣርእዮም፥ ሓጢኣት ባሮትካን ሓጢኣት ህዝብኻ እስራኤልን ይቕረ በል፤ ነታ ንህዝብኻ ንርስቲ ዝሃብካዮም ምድሪ ድማ ዝናም ሃብ።
እግዚኣብሄር ካብ ኵሉ ኽፉእ ክሕልወካ እዩ፤ ንነፍስኻውን ኽሕልዋ እዩ።
ኦ ጐይታ፥ ሓጢኣተይ ብዙሕ እዩ እሞ፥ ምእንቲ ስምካ ይቕረ በለለይ።
ንድኻመይን መከራይን ረአ፤ ንዅሉ ሓጢኣተይውን ይቕረ በለለይ።
ኦ ጐይታ፥ ኣድምፀና፤ ኦ ጐይታ፥ ይቕረ በል። ኦ ጐይታ፥ ስማዕ ግበርውን፤ ስምካ ኣብ ከተማኻን ኣብ ህዝብኻን ተፀዊዑ እዩ እሞ ኦ ኣምላኸይ፥ ስለ ስምካ ኢልካ ኣይትደንጒ።”
ምሳኻትኩም ቃል ውሰዱ፤ ናብ እግዚኣብሄርውን ተመለሱ፤ ከምዙይ ድማ በልዎ፤ “ኵሉ ሓጢኣትና ይቕረ በለልና፤ ብምሕረትካውን ተቐበለና፤ ንሕና ኸዓ ኽንዲ ጣዕዋ፥ ፍረ ኸናፍርና ኽነቕርበልካ ኢና።
“እምበኣር ንስኻትኩምውን ነፍሲ ወከፍኩም፥ ንሓዉ ኻብ ልቡ በደሉ እንተ ዘይሓዲጉሉ፥ ሰማያዊ ኣቦይውን ከምኡ ኽገብረኩም እዩ።”
እምበኣር ናብ ፈተና ኸይትኣትዉስ፥ ትግሁን ፀልዩን፤ መንፈስ ድልዊ እዩ፤ ስጋ ግና ድኹም እዩ” በሎም።
ከምዙይ ከዓ በሎም፦ “ካባኻትኩም ሓደ ዓርኪ ዘለዎ እሞ፥ ፍርቂ ለይቲ ናብኡ ኸይዱ ‘ዓርከይ፥ ፈታዊየይ ገይሹ መፂኡንስ፥ ዘቕርበሉ ስኢነ እሞ፥ በይዛኻ ሰለስተ እንጀራ ኣለቅሐኒ’ እንተ በሎ፥
ወይ እቶም ኣብ ሰሊሆም መንደቕ ዝወደቖም እሞ፥ ዝቐተሎም ዓሰርተ ሸሞንተኸ፥ ካብቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነብሩ ዅሎም ሰባት፥ ዝበዝሐ ሓጢኣት ዝነበሮምዶ ይመስለኩም?
ንሱ ኸዓ “ስለ ምንታይ ትድቅሱ? ናብ ፈተና ኸይትኣትዉ፥ ተሲእኹም ፀልዩ” በሎም።
እቲ ኣብ ኰዅሒ ዝወደቐ ዘርኢ ኸዓ፥ እቶም ነቲ ቓል ምስ ሰምዕዎ፥ ብሓጐስ ዝቕበልዎ እዮም። እዚኣቶም ግና ንጊዜኡ ደኣ እዮም ዝኣምኑ እምበር፥ ሱር ስለ ዘይብሎም፥ ብጊዜ ፈተና ዝኽሕዱ እዮም።
ካብ ክፉእ ክትሕልዎም እምበር፥ ካብ ዓለም ክትወስዶም ኣይኮንኩን ዝልምነካ ዘለኹ።
ኣብ ሰብ ካብ ዝበፅሕ ፈተና ንላዕሊ ኣይበፅሐኩምን። ስለዙይ፥ ካብ ዓቕምኹም ንላዕሊ ኽትፍተኑ ዘይፈቅድ እግዚኣብሄር፥ እሙን እዩ። ምፅዋሩ ምእንቲ ኽትክእሉ ግና፥ ምስቲ ፈተና መውፅኢ ኽገብረልኩም እዩ።
ንስንሳትኩም ተኸኣኣሉ፤ ሓደ ሰብ፥ ኣብ ካልእ ቅር ዘብል ነገር እንተ ሃልይዎ፥ ይቕረ ተበሃሃሉ። ከምቲ ክርስቶስ ይቕረ ዝበለልኩም፥ ይቕረ በሉ።
ግና እቲ ዘፅንዐኩምን፥ ካብ እቲ ኽፉእውን ዝሕልወኩምን ጐይታ፥ እሙን እዩ።
እግዚኣብሄር፥ ካብ ኵሉ ኽፉእ ግብሪ ኸናግፈኒ፥ ሓልዩ ኸዓ፥ ናብታ ሰማያዊት መንግስቱ ኸብቅዐኒ እዩ። ንእኡ ኻብ ዘለኣለም ክሳዕ ዘለኣለም ክብሪ ይኹኖ። ኣሜን።
እቲ ምሕረት ዘይገበረ፥ ብዘይ ምሕረት ክፍረድ እዩ እሞ፤ ይኹን እምበር፥ ምሕረት ኣብ ልዕሊ ፍርዲ ትምካሕ እያ።
ነቲ ዝመፀካ መከራ ኣይትፍርሓዮ። እንሆ ምእንቲ ኽትፍተኑ፥ ዲያብሎስ ንገሊኻትኩም፥ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኽድርብየኩም እዩ፤ ዓሰርተ መዓልቲ እውን መከራ ኽረኽበኩም እዩ። ንስኻ ግና፥ ክሳዕ ሞት እሙን ኩን፤ ኣነውን፥ ኣኽሊል ህይወት ክህበካ እየ።
ንቓል ትዕግስተይ ስለ ዝሓለኻዮ፥ ካብታ ነቶም ኣብ ምድሪ ዝነብሩ፥ ክትፍትኖም ናብ ኵላ ዓለም እትመፅእ ጊዜ ፈተና፥ ክሕልወካ እየ።