10 ኵሉ ዝለመነ፥ ይቕበል፤ ዝደሊ ድማ ይረክብ፤ ማዕፆ ንዝዃሕዅሐ ይኽፈተሉ እዩ እሞ።
ኣነስ ብድንጋፀ “ካብ ቅድሚ ዓይንኻ ተደርበኹ” በልኩ፤ ናባኻ ምስ ኣእዌኹ ግና ንቓል ልመናይ ሰማዕኻኒ።
ኣነ ኸዓ “ሓይለይን፥ ብእግዚኣብሄር ዝነበረኒ ተስፋን ጠፊኡ እዩ” በልኩ።
ሓገዝ ደልየ እንተ ጠራዕኹን እንተ ኣእዌኹን እኳ፥ ንፀሎተይ መሕለፊ ዓፀወሉ።
ንዝለመነካ ሃቦ፤ ካባኻ ኽልቃሕ ንዝደሊ እውን ኣይትኽልኣዮ።
ኵሉ ዝለመነ ይቕበል፤ ዝደለየውን ይረክብ፤ ማዕፆ ንዝዃሕዅሐ ድማ ይኽፈተሉ።
ካባኻትኩምከ እንታዋይ ኣቦ እዩ፥ ወዱ እንጀራ እንተ ለመኖ፥ እምኒ ዝህቦ? ወይ ዓሳ እንተ ለመኖ፥ ክንዲ ዓሳ ተመን ዝህቦ?
ኣነውን ‘ለምኑ፥ ክወሃበኩም እዩ፤ ድለዩ፥ ክትረኽቡ ኢኹም፤ ማዕፆውን ኳሕዅሑ፥ ክኽፈተልኩም እዩ’ እብለኩም ኣለኹ።
ኢየሱስ፥ እንተይሰልከዩ ዅልሻዕ ክፅልዩ ኸም ዝግብኦም ንኸረድእ፥ ከምዙይ ኢሉ ብምስላ ተዛረቦም፦
ትልምኑ ግና ኣይትቕበሉን፤ ንፍትወት ስጋኹም ምእንቲ ኽተርውዩ ኢልኩም፥ ብኽፉእ ሓሳባት ስለ እትልምኑ፥ ኣይትቕበሉን።
እንሆ፥ ነቶም ክሳዕ መወዳእታ ዝተዓገሱ፥ ብፁኣን እዮም ንብሎም። ብዛዕባ ትዕግስቲ ኢዮብ ሰሚዕኹም ኣለኹም፤ ነቲ እግዚኣብሄር፥ ኣብ መወዳእታ ዝገበረሉውን ርኢኹም ኣለኹም። እግዚኣብሄር፥ ርህሩህን ምሕረት ዝመልኦን እዩ እሞ።