Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ወንጌል ሉቃስ 11:1 - መፅሓፍ ቅዱስ

1 ኢየሱስ ኣብ ሓንቲ ስፍራ ኽፅሊ ፀኒሑ ምስ ወድአ፥ ሓደ ኻብ ደቀ መዛሙርቱ፥ “ኦ ጐይታ! ከምቲ ዮሃንስ ንደቀ መዛሙርቱ ፀሎት ዝመሃሮም፥ ፀሎት መሃረና” በሎ።

Ver Capítulo Copiar




ወንጌል ሉቃስ 11:1
14 Referencias Cruzadas  

እግዚኣብሄር፥ ትምኒት ነዳያን ሰምዐ፤ እዝኑውን ሓሳብ ልቦም ሰምዐት።


ኦ ጐይታ፥ ረዳእየይን መድሓኒየይን፥ ቃላት ኣፈይን ሓሳባት ልበይን ኣብ ቅድሜኻ ቕቡል ይኹን።


እቲ ዘድሊ ግና፥ ሓደ ጥራሕ እዩ። ማርያምስ ነቲ ዝበለፀ ግደ መሪፃ ኣላ፤ ካብኣ ዝወስደላ ሓደኳ የለን” ኢሉ መለሰላ።


ንሱ ኸዓ በሎም፦ “ክትፅልዩ እንተለኹም ከምዙይ በሉ፦ ‘ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና፥ ስምካ ይቀደስ፤ መንግስትኻ ትምፃእ፤ ፍቓድካ ኸምቲ ኣብ ሰማይ ዝኾነ፥ ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ይኹን።


ኢየሱስ በተን መዓልቲታት እቲኣተን ክፅሊ ናብ እምባ ደየበ፤ ምሉእ ለይቲ እውን ናብ እግዚኣብሄር ክፅሊ ሓደረ።


ጐይታ ኢየሱስ ምስ ረአያ ራህርሀላ እሞ፥ “ኣይትብከዪ” በላ።


ዮሃንስ ከዓ ኽልተ ኻብ ደቀ መዛሙርቱ ፀዊዑ፦ “እቲ ዝመፅእ ንስኻ ዲኻ ወይ ካልእ ክንፅበ ኢና?” ኢሉ ናብ ጐይታ ኢየሱስ ለኣኾም።


ኢየሱስ ንበይኑ ኽፅሊ እንተሎ፥ ደቀ መዛሙርቱ ምስኡ ነበሩ። ንሱ ድማ “ሰባት መን እዩ ይብሉኒ?” ኢሉ ጠየቖም።


ድሕሪ እዝ ዘረባ እዙይ ብሻምናይ መዓልቲ ኣቢሉ፥ ንጴጥሮስን ንዮሃንስን ንያእቆብን ተማሊኡ፥ ክፅሊ ናብ እምባ ደየበ።


ኢየሱስ ብዘመን ስጋኡ እንተሎ፥ ካብ ሞት ከድሕኖ ናብ ዝኽእል፥ ፀሎትን ልመናን ብብርቱዕ ገዓርን ንብዓትን ኣቕረበ። ንእግዚኣብሄር ይእዘዝ ስለ ዝነበረ ድማ ልመናኡ ተሰምዐ።


ኣቱም ፍቑራተይ፥ ንስኻትኩም ግና፥ በታ ልዕሊ ዅሉ ዝተቐደሰት እምነትኩም፥ ንርእስኹም እናሃነፅኩም፥ ብመንፈስ ቅዱስ ፀልዩ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos