5 ኣብ እትኣትዉዋ ገዛ ኣቐዲምኩም ‘ነዝ ገዛ እዙይ ሰላም ይኹን’ በሉ።
ፍረ ኸናፍር ክፈጥር እየ፤ ኣብ ርሑቕን ኣብ ቀረባን ንዘለዉ ሰላም፥ ሰላም ይኹን፤ ኣነ ኸሕውዮም እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።
ሳንጣ ወይ ከረጢት ወይ ኣሳእን ኣይትሓዙ፤ ኣብ መንገዲውን ንሓደ እኳ ሰላም ኣይትበሉ።
ኣብኡ ናይ ሰላም ሰብ እንተ ሃልዩ፥ ሰላምኩም ኣብኡ ኽሓድር እዩ። እንተ ዘይሃልዩ ግና፥ ሰላምኩም ናባኻትኩም ክምለስ እዩ።
ኢየሱስ ድማ “ሎሚ ነዝ ገዛ እዙይ፥ ድሕነት ኮነሉ፤ ንሱውን ወዲ ኣብርሃም እዩሞ።
እግዚኣብሄር በቲ ጐይታ ዅሉ ዝኾነ ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ንደቂ እስራኤል ሰላም እናብሰረ፥ ዝለኣኾ ቓል እዙይ እዩ፤
መፂኡ ኸዓ፥ ንኣኻትኩም ርሑቓት ንዝነበርኩምን፥ ነቶም ቀረባ ዝነበሩን ሰላም ኣብሰረ።
ከምዙይ ድማ በልዎ፦ ‘ሰላም ንኣኻ ይኹን። ንስኻን ቤተ ሰብካን ዘለካ ዅሉውን ብሰላም ክትህልዉ እምነየልኩም።’