42 እቲ ዘድሊ ግና፥ ሓደ ጥራሕ እዩ። ማርያምስ ነቲ ዝበለፀ ግደ መሪፃ ኣላ፤ ካብኣ ዝወስደላ ሓደኳ የለን” ኢሉ መለሰላ።
ናይ ልበይ ሓጐስ እዩ እሞ፥ ምስክርነትካ ንዘለኣለም ወረስኩ።
ንትእዛዛትካ መሪፀ ኣለኹሞ፥ ኢድካ ዘድሕነኒ ይኹን።
መንገዲ ሓቂ መረፅኩ፤ ፍርድኻውን ኣይረሳዕኹን።
ኦ ጐይታ፥ ናባኻ ኣእዌኹ፤ ንስኻ ተስፋይ ኢኻ፤ ኣብ ምድሪ ህያዋንውን ብፅሒተይ ንስኻ ኢኻ በልኩ።
ኣነ ግና ብፅድቂ፥ ገፅካ ኽርኢ እየ፤ ክብርኻ ብምርኣይ ከዓ ኽፀግብ እየ።
ንእግዚኣብሄር ሓንቲ ነገር ለመንክዎ፤ ንኣኣውን እደሊ ኣለኹ፤ ንሳውን ብዅሉ ዘመን ህይወተይ፥ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ክነብር፥ ንእግዚኣብሄር ዘሐጕሶ ኽርኢ፥ ኣብ መቕደሱውን ከስተንትን እየ።
ኣብ ሰማይ ብዘይ ንስኻ መን ኣለኒ? ኣብ ምድሪኸ እንትርፊ ንኣኻ ዝደልዮ እንታይ ኣለኒ?
መወዳእታ ዅሉ እቲ ነገር ንስማዕ፤ እዙይ ናይ ሰብ ኵለንትናኡ እዩሞ፤ ንእግዚኣብሄር ፍራሕ፤ ንትእዛዛቱውን ሓሉ።
ሰብ ብዅሉ ዓለም ረቢሑ፥ ነፍሱ እንተ ኣጥፍአ እንታይ ይጠቕሞ?
ማርያም እትብሃል ሓፍቲ ድማ ነበረታ፤ ንሳ፥ ኣብ ትሕቲ እግሪ ኢየሱስ ተቐሚጣ፥ ቃሉ ትሰምዕ ነበረት።
ኢየሱስ ኣብ ሓንቲ ስፍራ ኽፅሊ ፀኒሑ ምስ ወድአ፥ ሓደ ኻብ ደቀ መዛሙርቱ፥ “ኦ ጐይታ! ከምቲ ዮሃንስ ንደቀ መዛሙርቱ ፀሎት ዝመሃሮም፥ ፀሎት መሃረና” በሎ።
እግዚኣብሄር ግና፥ ‘ኣታ ዓሻ! በዛ ለይቲ እዚኣ፥ ንነፍስኻ ኻባኻ ኽወስድዋ እዮም፤ እዝ ዝኣከብካዮ ደኣ ንመን ክኸውን እዩ?’ በሎ።
ጥሪትኩም ሼጥኩም ምፅዋት ሃቡ። ሰራቒ ኣብ ዘይረኽቦ፥ ነቐዝ ኣብ ዘየባላሽዎ፥ ዘይበሊ ሙዳይን፥ ዘይጐድል ሃብትን፥ ኣብ ሰማይ ኣዋህልሉ።
እቲ ጐይታኡ ድማ ፀዊዑ ‘እዝ ብዛዕባኻ ዝሰምዖ ዘለኹ እንታይ እዩ? ደጊም መጋቢ ኽትኮነኒ፥ ኣይትኽእልን ኢኻ እሞ፥ ፀብፃብ መጋብነትካ ሃበኒ’ በሎ።
ኣብርሃም ድማ “ወደይ፥ ንስኻስ ብህይወትካ እንተለኻ፥ ኣብ ምቾት ከም ዝነበርካ፥ ኣልኣዛር ግና ኣብ ስቓይ ከም ዝነበረ ዘክር። ሕዚ ንሱ ኣብዙይ ይሕጐስ ኣሎ፤ ንስኻ ግና ትሳቐ ኣለኻ።
ኢየሱስ ድማ እዙይ ምስ ሰምዐ፥ “እምበኣር ሓንቲ ተሪፋትካ ኣላ፤ ዘለካ ዅሉ ሼጥኻ፥ ንድኻታት ሃብ፤ ኣብ ሰማይ ሃብቲ ኽትረክብ ኢኻ፤ ነዓ ተኸተለኒ” በሎ።
ከመይ ከም እትሰምዑ ተጠንቀቑ፤ ንዘለዎ ክወሃቦ እዩ፤ ነቲ ዘይብሉ ግና፥ እታ ዘላቶ እትመስሎ እኳ፥ ካብኡ ኽትውሰድ እያ።”
ኣብ ቢታንያ፥ ኣብ ዓዲ ማርያምን ማርታ ሓፍታን፥ ኣልኣዛር ዝስሙ ሰብኣይ ሓሚሙ ነበረ።
ካብ ኣይሁድ ድማ፥ ብዙሓት ብዛዕባ ሓወን ከፀናንዕወን፥ ናብ ማርያምን ማርታን መፂኦም ነበሩ።
ማርያም ድማ ፍርቂ ሊትሮ ዝኸውን ብፅሩይ ናርዶስ ዝተሰርሐ፥ ብዙሕ ዝዋጋኡ ምዑዝ ሽቱ ወሲዳ፥ ኣእጋር ኢየሱስ ቀብአት፤ ብፀጕሪ ርእሳውን ሓበሰቶ። እታ ገዛ ኸዓ፥ ብመዓዛ እቲ ሽቱ መልአት።
ናይ ዘለኣለም ህይወት ከዓ፥ በይንኻ ናይ ብሓቂ ኣምላኽ ንዝኾንካን፥ ንዝለኣኽካዮ ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ምፍላጥ እዩ።
ካብቲ ኣነ ዝህቦ ማይ ዝሰቲ ግና፥ ንዘለኣለም ኣይፀምእን፤ እቲ ኣነ ዝህቦ ማይ፥ ኣብ ውሽጡ ዝፍልፍል ዓይኒ ማይ ክኾነሉ እዩ” በላ።
ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፥ እቲ ንቓለይ ዝሰምዕ፥ በቲ ዝለኣኸኒውን ዝኣምን፥ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣለዎ፤ ንሱ ኻብ ሞት ናብ ህይወት ይሳገር እምበር፥ ናብ ፍርዲ ኣይቐርብን እዩ።
እምበኣር ምእንቲ እቲ ሓላፊ ምግቢ ዘይኮነስ፥ ምእንቲ እቲ ወዲ ሰብ ዝህበኩም፥ ንዘለኣለም ህይወት ዝኸውን ምግቢ ፀዓሩ። ንእኡስ እግዚኣብሄር ኣብ፥ ሓቲምዎ እዩሞ።” በሎም።
ኵሉ ገንዘበይውን ንድኻታት እንተ ዓደልኩ፥ ሰብነተይ ብሓዊ ንምቅፃል ኣሕሊፈ እንተ ሃብኩ፥ ግና ፍቕሪ እንተ ዘይብለይ፥ ሓደኳ ኣይጠቕመንን እዩ።
ኣብ ኢየሱስ ክርስቶስ ኴንካ፥ እታ ብፍቕሪ እትሰርሕ እምነት እምበር፥ ምግራዝ ኮነ ዘይምግራዝ፥ ጥቕሚ የብሉን እሞ።
“ህይወትን ሞትን፥ በረከትን መርገምን ኣብ ቅድሜኹም ኣንቢረልኩም ከም ዘለኹ፥ ሎሚ ሰማይን ምድርን ምስክረይ እዮም። እምበኣር ንስኻትኩምን ዘርእኹምን ብህይወት ምእንቲ ኽትነብሩ፥ ህይወት ምረፁ።
ንእግዚኣብሄር ምምላኽ ክፉእ መሲሉ እንተ ተርአየኩም ግና ንመን ከም እተምልኹ፥ ነቶም ኣቦታትኩም ኣብ ሰገር ሩባ ዘምልኽዎም ዝነበሩ ኣማልኽቲ፥ ወይ ናይቶም ንስኻትኩም ኣብ ምድሮም እትነብሩ ዘለኹም ኣማልኽቲ ኣሞራውያን እንተ ኾይኑ፥ ሎሚ ምረፁ። ኣነን ቤተይን ግና ንእግዚኣብሄር ክነምልኽ ኢና።”
ኢያሱ ኸዓ ነቶም ህዝቢ፥ “ንስኻትኩም ንእግዚኣብሄር ክተምልኽዎ ኸም ዝሓረኹም ባዕልኻትኩም መሰኻኽር ኢኹም” በሎም። ንሳቶም ድማ “እወ፥ መሰኻኽር ኢና” በሉ።