4 ሳንጣ ወይ ከረጢት ወይ ኣሳእን ኣይትሓዙ፤ ኣብ መንገዲውን ንሓደ እኳ ሰላም ኣይትበሉ።
ምግቢውን ኣብ ቅድሚኡ ኣቕረበሉ። ንሱ ግና “ጉዳየይ እንተይነገርኩ ኣይበልዕን” በለ። ላባ ኸዓ “ተዛረብ” በሎ።
ንሱ ኸዓ “እግዚኣብሄር መንገደይ ካብ ኣቕንዐለይ ኣይተደናጕዩኒ፤ ናብ ጐይታይ ክኸይድ ስደዱኒ” በሎም።
ሽዑ ነታ ኣድጊ ፅዒና ነቲ ኣገልጋሊኣ “ኪድ ምራሕ፤ ኣነ እንተይኣዘዝኩኻ ድማ ኣብ መንገዲ ኸይተደንጕየኒ ቐልጥፍ” በለቶ።
ሽዑ ንግያዝ “ሕቘኻ ተዓጠቕ እሞ፥ በትረይ ኣብ ኢድካ ሒዝካ ኺድ፤ ዝኾነ ሰብ እንተ ረኸብካ ኸዓ፥ ከመዓልካ ኣይትበሎ፤ ከመዓልካ እንተበለካውን ኣይትመልሰሉ። ነዛ በትረይ ድማ ኣብ ገፅ እቲ ቘልዓ ኣንብራ” በሎ።
ኣዒንትኻ ቐኒዐን ይርኣያ፤ ቀራንብትኻውን ንቕድሚት ይጠምታ።
ኢየሱስ ነቶም ዓሰርተ ኽልተ ሃዋርያት ናብኡ ፀዊዑ፥ በብኽልተ ገይሩ ለኣኾም፤ ኣብ ልዕሊ ርኹሳት መናፍስቲ ድማ ስልጣን ሃቦም።
ኣስዒቡ ድማ፦ “እቲ ብዘይ ሳንጣ፥ ብዘይ ስንቂ፥ ብዘይ ሳእኒ ምስ ለኣኽኩኹም፥ ዝኾነ ዝጐደለኩምዶ ነይሩ?” በሎም። ንሳቶም ከዓ “ዝጐደለና ኣይነበረን” በልዎ።
ዳዊት ድማ ንኣቢሜሌክ “እቲ ናይ ንጉስ ነገር ዘሀውኽ ስለ ዝኾነ ሰይፈይን ኣፅዋረይን ኣይተማላእኹን እሞ፥ ዂናት ወይ ሰይፊ ኣባኻዶ ኣሎ?” በሎ።