21 በታ ጊዜ እቲኣ፥ ኢየሱስ ብመንፈስ ቅዱስ ተሓጕሱ ኸምዙይ በለ፤ “ኦ ኣቦይ! ጐይታ ሰማይን ምድርን፥ ነዙይ ካብ ብልህታትን ካብ ለባማትን ስለ ዝሓባእኻዮ፥ ንህፃናት ድማ ስለ ዝገለፅካዮ፥ አመስግነካ ኣለኹ። እወ፥ ኦ ኣቦ! እዙይ ከምዙይ ክኸውን፥ ፍቓድካ ኾይኑ እዩ እሞ።
ምድርን ምልኣታን ናይ እግዚኣብሄር እያ፤ ዓለምን ኣብ ውሽጣ ዝነብሩ ዅሎምውን።
እግዚኣብሄር ነቶም ዝፈርሕዎ ሓይሎም እዩ፤ ቃል ኪዳኑውን የፍልጦም።
ብኣፍ ቈልዑን ህፃናትን፥ ምስጋና ኣዳለኻ፤ ምእንቲ ፀላእትኻ፤ ንፀላእን ንተበቃልን ምእንቲ ኽተጥፍእ እዩ።
ስለዙይ ኣብ እዝ ህዝቢ እዙይ፥ ዘደንቕ ተግባርን ተኣምራትን፥ ወሲኸ ኽገብር እየ። ጥበብ እቶም ጥበበኛታት ክጠፍእ፥ ምስትውዓል እቶም መስተውዓልቲውን ክስወር እዩ።”
ኣብኡ ፅርግያን መንገድን ክህሉ እዩ፤ “ቅዱስ ጐደና” ተብሂሉ ኸዓ ኽፅዋዕ እዩ። ዝረኸሰ ብእኡ ኣይሓልፍን እዩ፤ ንንፁሃን ግና ይኸውን፤ እቲ ብኣኣ ዝኸይድ፥ ዓሻ እኳ እንተ ኾነ ኣይጋገን እዩ።
ድሕሪ ድኻም ነፍሱ፥ ብርሃን ክርኢ፥ ደስውን ክብሎ እዩ፤ እቲ ፃድቕ ባርያይ፥ ብፍልጠቱ ንብዙሓት ከፅድቕ፥ ሓጢኣቶም ድማ፥ ባዕሉ ኽፀውር እዩ።
ከምቲ ጐበዝ ንድንግል ዝምርዖ፥ ከምኡ ደቅኺ ኽምርዐዉኺ እዮም፤ መርዓዊ ብመርዓቱ ኸም ዝሕጐስ፥ ከምኡ ኣምላኽኪውን ብኣኺ ኽሕጐስ እዩ።
እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ሰማይ ዙፋነይ እዩ፤ ምድሪ ኸዓ መርገፂ እግረይ እያ። እቲ ንስኻትኩም እትሰርሑለይ ቤት ደኣ፥ ከመይ ዝበለ እዩ? እቲ ኣነ ዝዓርፈሉ ስፍራኸ፥ ከመይ ዝበለ እዩ?
እግዚኣብሄር ኣምላኽኪ፥ ኣብ ማእኸልኪ ዘናግፍ ሓያል እዩ፤ ብታሕጓስ ብኣኺ ኽሕጐስ እዩ፤ ብፍቕሩውን ክዓርፍ እዩ፤ ብፍፁም ሓጐስ ብኣኺ ኽሕጐስ እዩ፥ ክበሃል እዩ።
ኢየሱስ ከዓ “ስምኦን ወዲ ዮና፥ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ደኣ እምበር፥ ስጋን ደምን ኣይገለፀልካን እሞ፥ ብፁእ ኢኻ” በሎ።
“እዞም ቈልዑ ዝብልዎዶ ትሰምዕ ኣለኻ?” በልዎ፤ ኢየሱስ ከዓ “እወ፥ እቲ ‘ካብ ኣፍ ቈልዑን ህፃናትን ምስጋና ኣዳለኻ’ ዝብልዶ ኣየንበብኩምን ኢኹም?” በሎም፤
ካብ ፈሪሳውያንን ሰዱቃውያንን ብዙሓት ክጥመቑ እንትመፁ ምስ ረአየ ኸምዙይ በሎም፦ “ኣቱም ውሉድ ኣትማን፥ ካብቲ ዝመፅእ መዓት ክተምልጡ መን ሓበረልኩም?
እቲ ንመንግስቲ እግዚኣብሄር ከም ህፃን ኮይኑ ዘይተቐበላ፥ ከቶ ኸም ዘይኣትዋ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ” በሎም።
ምስ ረኸባ ድማ፥ ተሓጒሱ ኣብ ማእገሩ ይሕንግራ።
ምስ ረኸበታ ድማ፥ ‘እታ ዝጠፍአትኒ ብሩረይ ረኺበያ እየ እሞ፥ ምሳይ ተሓጐሳ’ እናበለት ንመሓዙታን ንጐረባብታን ትፅውዕ።
ብድሕሪዙይ ነቲ እምኒ ኣልዓልዎ። ኢየሱስ ከዓ ኣዒንቱ ንላዕሊ ቋሕ ኣቢሉ “ኣቦ፥ ስለ ዝሰማዕኻኒ አመስግነካ ኣለኹ።
እቲ እንሰብኮ ወንጌል ክዱን እንተ ኾነ፥ ክዱን ዝኸውን፥ ነቶም ዝጠፍኡ ጥራሕ እዩ።
ንሕና ኣቐዲምና ብክርስቶስ ተስፋ ዝገበርና፥ ንናይ ክብሩ ምስጋና ምእንቲ ኽንከውን፥ እቲ ብፍቓዱ ንዅሉ ነገራት፥ ከም ምኽሩ ዝገብር እግዚኣብሄር፥ ወረስቲ ኽንከውን ብወዱ ሓረየና።
ስለ ዘፍቀረና፥ ብፅቡቕ ፍቓዱ፥ ብኢየሱስ ክርስቶስ ናቱ ውሉድ ክንከውን፥ ኣቐዲሙ መረፀና።