16 እቲ ንኣኻትኩም ዝሰምዕ፥ ንኣይ እዩ ዝሰምዕ፤ እቲ ንኣኻትኩም ዘይቕበል፥ ንኣይ እዩ ዘይቕበል፤ እቲ ንኣይ ዘይቕበል ድማ፥ ነቲ ዝለኣኸኒ እዩ ዘይቕበል።”
እቲ ኣብ ልዕሊኡ ዘጕረምረምኩምዎ እግዚኣብሄር ሰሚዕዎ እዩ እሞ፥ ፅባሕ ንግሆ ኽብሩ ኽትሪኡ ኢኹም። ኣብ ልዕሌና እተጕረምርሙስ፥ ንሕና እንታይ ኢና?” በልዎም።
ሙሴ ድማ “እግዚኣብሄር እቲ ኣብ ልዕሊኡ ዘጕረምረምኩምዎ ሰሚዕዎ እዩ እሞ፥ ብምሸት ስጋ ኽትበልዑ፥ ብጊሓት ከዓ ምግቢ ኽትፀግቡ ዝህበኩም እግዚኣብሄር እዩ። እቲ ኣብ ልዕሌና ዘጕረምረምኩምዎ፥ ብእግዚኣብሄር ኢኹም ዘጕረምረምኩም እምበር ብኣና ኣይኮነን። ንሕና ደኣ እንታዎት ኴንና!” በሎም።
ኣቱም ስመይ እተቃልሉ ኻህናት፥ “ውሉድ ነቦኡ፥ ባርያውን ንጐይታኡ የኽብር እዩ፤ እምበኣር ኣቦ እንተ ኾይነ፥ ክብረተይ ኣበይ ኣሎ? ጐይታ እንተ ኾይነኸ፥ ተፈራሕነተይ ኣበይ ኣሎ?” ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር። ንስኻትኩም ግና፥ “ስምካ ዘቃለልናዮ ኸመይ እዩ?” ትብሉ ኣለኹም።
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ “እዝ ህዝቢ እዙይ ክሳዕ መኣዝ እዩ ዝንዕቐኒ? ክሳዕ መኣዝከ እዮም በቲ ዅሉ ኣብ ማእኸሎም ዝገበርክዎ ምልክታት ዘየኣምኑኒ?
ኵሎም ደቂ እስራኤል ድማ ኣብ ልዕሊ ሙሴን ኣብ ልዕሊ ኣሮንን ከምዙይ እናበሉ ኣጕረምረሙ፦ “ኣብ ግብፂ ወይ ኣብዝ ምድረ በዳ እዙይ ሞይትና እንተንኸውን መን ምሃበና?
ስለዙይ ንስኻን ኵሎም ሰዓብትኻን ኣብ ልዕሊ እግዚኣብሄር ኢኹም ዝተኣከብኩም። ኣብ ልዕሊኡ እተጕረምርሙ ደኣ፥ ኣሮን መን እዩ?”
“ንኣኻትኩም ዝቕበል፥ ንኣይ ይቕበል፤ ንኣይ ዝቕበል ድማ፥ ነቲ ዝለኣኸኒ ይቕበል።
እቲ ንኸምዙይ ዝበለ ህፃን ብስመይ ዝቕበል ንኣይ ይቕበል።
“ካብዞም ከምዚኣቶም ዝበሉ ቘልዑ፥ ንሓደ ብስመይ ዝቕበል ንኣይ እዩ ዝቕበል፤ እቲ ንኣይ ዝቕበል ከዓ፥ ነቲ ዝለኣኸኒ እዩ እምበር ንኣይ ኣይኮነን ዝቕበል” በሎም።
“ነዝ ህፃን እዙይ ብስመይ ዝቕበል፥ ንኣይ ይቕበል፤ እቲ ንኣይ ዝቕበል ከዓ ነቲ ዝለኣኸኒ ይቕበል፤ እቲ ኻብ ኵልኻትኩም ዝንእስ፥ ንሱ ኻብ ኵልኻትኩም ዝዓቢ ክኸውን እዩ” በሎም።
ኢየሱስ ከዓ ዓው ኢሉ ኸምዙይ በለ፦ “እቲ ዅሉ ብኣይ ዝኣምን፥ ብኣይ ጥራሕ ዘይኮነስ፥ በቲ ዝለኣኸኒውን እዩ ዝኣምን።
ነቲ ነኣይ ዘይደሊ፥ ንቓለይውን ዘይቕበል ዝፈርዶ ኣለዎ፤ እዝ ኣነ ዝዛረቦ ዘለኹ ቓል፥ ንሱ በታ ዳሕረወይቲ መዓልቲ ኽፈርዶ እዩ።
ነቲ ኣነ ዝለኣኽክዎ ዝቕበል፥ ንኣይ ይቕበል፤ እቲ ንኣይ ዝቕበል ድማ፥ ነቲ ዝለኣኸኒ ኸም ዝቕበል፥ ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።”
እንተይተሸጠስ፥ ናትካዶ ኣይነበረን? ምስ ሸጥካዮኸ፥ ኣብ ኢድካዶ ኣይነበረን? ከመይ ጌርካ ነዝ ነገርዙይ፥ ብልብኻ ሓሰብካዮ? ንሰብ ዘይኮነስ ንእግዚኣብሄር ኢኻ ሓሲኻ ዘለኻ።”
እቲ ሕማመይ ንኣኻትኩም ፈተና እኳ እንተ ነበረ፥ ኣይነዓቕኩምንን፤ ወይ ኣይተፀየፍኩምንን። እኳ ደኣ፥ ከም መልኣኽ እግዚኣብሄር፥ ከም ክርስቶስ ኢየሱስ ጌርኩም ተቐበልኩምኒ እምበር።
እምበኣር እቲ ነዙይ ዝንዕቕ፥ ነቲ ቕዱስ መንፈሱ ዝህበኩም ንእግዚኣብሄር እምበር፥ ንሰብ ኣይኮነን ዝንዕቕ ዘሎ።