Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ወንጌል ሉቃስ 10:11 - መፅሓፍ ቅዱስ

11 ‘እቲ ኻብ ከተማኹም፥ ኣብ ኣእጋርና ዝለገበ ሓመድ እኳ፥ ንነግፈልኩም ኣለና። እንተ ኾነ ግና፥ መንግስቲ እግዚኣብሄር፥ ናባኻትኩም ከም ዝቐረበት ፍለጡ’ በልዎም።

Ver Capítulo Copiar




ወንጌል ሉቃስ 10:11
16 Referencias Cruzadas  

“ንሳቶም ዓማፂት ቤት እዮም እሞ፥ እንተ ሰምዑ ወይ እንተ ኣበዩ፥ ኣብ ማእኸሎም ነቢይ ኸም ዘሎ ኽፈልጡ እዮም።


እንተ ዘይተቐቢሎምኹም ወይ ቃልኩም እንተ ዘይሰሚዖምኹም ግና፥ ካብታ ገዛ ወይ ካብታ ኸተማ ኽትወፁ እንተለኹም ሓመድ ኣእጋርኩም ንገፉ።


ኬድኩም ድማ ‘መንግስተ ሰማያት ቀሪባ ኣላ’ እናበልኩም ስበኹ።


ኣብቲ ዘይተቐበሉኹምን ዘይሰምዑኹምን ዓዲ፥ ካብኡ ወፂእኹም ንኣኣቶም ምስክር ምእንቲ ክኾኖም፥ ሓመድ ኣእጋርኩም ንገፉ። ብመዓልቲ ፍርዲ፥ ካብ ነታ ዓዲ እቲኣስ፥ ንሰዶምን ገሞራን ከም ዝቐለለን፥ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።”


ኣብታ እትኣትዉዋ ኸተማ፥ ሰብ እታ ኸተማ እቲኣ እንተ ዘይተቐበሉኹም ግና፥ ናብ ኣደባባያ ወፂእኹም፥


ኣብኣ ንዘለዉ ሕሙማት ኣሕውዩ፤ ‘መንግስቲ እግዚኣብሄር ናባኻትኩም ቀሪባ ኣላ’ እውን በልዎም።


እንተ ዘይተቐበሉኹም ግና፥ ካብታ ኸተማ እቲኣ ወፂእኹም፥ ንኣኣቶም ምስክር ምእንቲ ክኸውን፥ ሓመድ ኣእጋርኩም ንገፉ።”


“ኣቱም ኣሕዋትና፥ ደቂ ዓሌት ኣብርሃምን ኣብ ማእኸሎም ዘለኹም ንእግዚኣብሄር እትፈርሑን፥ እዝ ቃል ምድሓን እዙይ ናባኻትኩም እዩ ዝተልኣኸ።


ስለዙይ እቲ ብነቢያት፦ ‘ኣቱም መላገፅቲ ረአዩ፤ ሓደኳ እንተ ነገረኩም፥ ከቶ ዘይተኣምንዎ ግብሪ፥ ብዘመንኩም ክገብር እየ እሞ ተገረሙን፥ ጥፍኡን’ ዝብል፥ ኣባኻትኩም ከይፍፀም ተጠንቀቑ።”


ጳውሎስን በርናባስን ከዓ ተቢዖም፥ ከምዙይ እናበሉ ተዛረቡ፦ “ቃል እግዚኣብሄር፥ ኣቐዲሙ ንኣኻትኩም ክንገር ይግባእ ነይሩ። ካብ ኣበኹምዎን፥ ንናይ ዘለኣለም ህይወት ብቑዓት ከም ዘይኮንኩም፥ ባዕልኻትኩም ካብ ፈረድኩምን ግና፥ እንሆ ገፅና ናብ ኣህዛብ ንምልስ ኣለና።


ንሳቶም ከዓ፥ ንስምዕታ ክኾኖም፥ ሓመድ ኣእጋሮም ነጊፎምሎም፥ ናብ ኢቆንዮን ከዱ።


ብዛዕባ እስራኤል ግና “ነቲ ዘይእዘዝን ተቓዋምን ህዝቢ፥ ኵሉ መዓልቲ ኣእዳወይ ዘርጋሕኹ” ይብል።


እንታይ ደኣ ይብል? “እቲ ቓል” ንሱውን እቲ ንሕና እንሰብኮ ቓል እምነት፥ “ኣብ ጥቓኻ፥ ኣብ ኣፍካን ኣብ ልብኻን እዩ” ይብል።


ንሱውን ክብሪ እግዚኣብሄር መግለፂ፥ ንዅሉ ነገር ብናይ ቃሉ ሓይሊ ዘቕውም፥ ብባህርዩ ፍፁም ኣርኣያ እግዚኣብሄር ዝኾነ እዩ። ሓጢኣትና ምስ ኣንፅሀውን፥ ኣብ ሰማይ ኣብ የማን ልዑል እግዚኣብሄር ተቐመጠ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos