10 ኣብታ እትኣትዉዋ ኸተማ፥ ሰብ እታ ኸተማ እቲኣ እንተ ዘይተቐበሉኹም ግና፥ ናብ ኣደባባያ ወፂእኹም፥
“ንሳቶም ዓማፂት ቤት እዮም እሞ፥ እንተ ሰምዑ ወይ እንተ ኣበዩ፥ ኣብ ማእኸሎም ነቢይ ኸም ዘሎ ኽፈልጡ እዮም።
እንተ ዘይተቐቢሎምኹም ወይ ቃልኩም እንተ ዘይሰሚዖምኹም ግና፥ ካብታ ገዛ ወይ ካብታ ኸተማ ኽትወፁ እንተለኹም ሓመድ ኣእጋርኩም ንገፉ።
‘እቲ ኻብ ከተማኹም፥ ኣብ ኣእጋርና ዝለገበ ሓመድ እኳ፥ ንነግፈልኩም ኣለና። እንተ ኾነ ግና፥ መንግስቲ እግዚኣብሄር፥ ናባኻትኩም ከም ዝቐረበት ፍለጡ’ በልዎም።
ኣብኣ ንዘለዉ ሕሙማት ኣሕውዩ፤ ‘መንግስቲ እግዚኣብሄር ናባኻትኩም ቀሪባ ኣላ’ እውን በልዎም።
እንተ ዘይተቐበሉኹም ግና፥ ካብታ ኸተማ እቲኣ ወፂእኹም፥ ንኣኣቶም ምስክር ምእንቲ ክኸውን፥ ሓመድ ኣእጋርኩም ንገፉ።”
ንሳቶም ከዓ፥ ንስምዕታ ክኾኖም፥ ሓመድ ኣእጋሮም ነጊፎምሎም፥ ናብ ኢቆንዮን ከዱ።
ንሳቶም ምስ ተቓወምዎን ምስ ፀረፍዎን ግና፥ ክዳኑ ነጊፉ፥ “ደምኩም ኣብ ርእስኹም ይኹን፤ ኣነ ንፁህ እየ፤ ድሕሪ ሕዚ ናብ ኣህዛብ ክኸይድ እየ” በሎም።