1 ድሕሪዙይ ጐይታ ኻልኦት ሰብዓን ክልተን መረፀ። በብኽልተ ገይሩ፥ ናብቲ ንሱ ክኸዶ ዘለዎ ኸተማን ስፍራን ቀቅድሚኡ ለኣኾም።
ኣብ ቅድሚኣቶም ከዓ፥ ሰብዓ ሰባት ካብ ዓበይቲ ቤት እስራኤል፥ ኣብ ማእኸሎም ድማ ያእዛንያ ወዲ ሻፋን ቆይሙ፥ ኣብ ኢድ ነፍሲ ወከፎም ድማ ፅንሃህ ሒዞም፥ ኣብኡ ደው ኢሎም ነበሩ። እቲ መዓዛ ዕጣንውን ዒግ ኢሉ ወፀ።
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ “ካብ ዓበይቲ እስራኤል፥ ካብቶም ኣብ ህዝቢ ዓበይትን ሓለቓታትን ከም ዝኾኑ ንስኻ እትፈልጦም፥ ሰብዓ ሰባት ኣክበለይ። ናብቲ መራኸቢ ድንኳን ከዓ ኣምፅኣዮም፤ ኣብኡ ምሳኻ ደው ኣብሎም።
ንሱ ንእግዚኣብሄር ብቑዕ ህዝቢ ምእንቲ ኸዳሉ፥ ልቢ ኣቦታት ናብ ውሉድ፥ ንዘይእዙዛት ድማ ናብ ጥበብ ፃድቃን ምእንቲ ኽመልስ፥ ብመንፈስን ብሓይሊ ኤልያስን ቀቅድሚ ጐይታ ክኸይድ እዩ።”
ኣታ ህፃንውን መንገዲ ልዑል ክትፀርግ፥ ቀቅድሚ እግዚኣብሄር ክትከይድ ኢኻ እሞ፥ ናይ ልዑል ነቢይ ተብሂልካ ኽትፅዋዕ ኢኻ።
ጐይታ ኢየሱስ ምስ ረአያ ራህርሀላ እሞ፥ “ኣይትብከዪ” በላ።
ዮሃንስ ከዓ ኽልተ ኻብ ደቀ መዛሙርቱ ፀዊዑ፦ “እቲ ዝመፅእ ንስኻ ዲኻ ወይ ካልእ ክንፅበ ኢና?” ኢሉ ናብ ጐይታ ኢየሱስ ለኣኾም።
ንኸሰናድዉሉውን ቀቅድሚኡ ልኡኻት ሰደደ፤ ንሳቶም ድማ ናብ ሓንቲ ዓዲ ናብ ሰማርያ ኣተዉ።