9 ከም ስርዓት ካህናት፥ ናብ ቤተ መቕደስ እግዚኣብሄር ኣትዩ ዕጣን ክዓጥን ተራ በፅሖ።
ደቂ እንበረም ኣሮንን ሙሴን ነበሩ፤ ኣሮንውን ካብ ኵሉ ንላዕሊ ዝተቐደሰ ክኽውን ተፈለየ። ንሱን ደቁን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ንዘለኣለም ዕጣን ክዓጥኑን ከገልግልዎን ብስሙውን ንዘለኣለም ክባርኹን ምሩፃት ነበሩ።
ኣሮንን ደቁን ግና ኣብ ቅድስተ ቅዱሳን ኮይኖም የገልግሉ ነበሩ። ከምቲ ዅሉ ሙሴ ባርያ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ኸዓ ዝቃፀል መስዋእትን መስዋእቲ ዕጣንን የቕርቡ ነበሩ። ንደቂ እስራኤል ድማ ስርየት ሓጢኣት ከም ዝረኽቡ ይገብሩ ነበሩ።
ምስ ተጠናኸረ ግና ልቡ ተዓበየ፤ እዙይ ከዓ ጥፍኣት ኣምፅአሉ። ኣብቲ መሰውኢ ዕጣን ክዓጥን ኢሉ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ብምእታዉ፥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኹ በደለ።
ኣቱም ደቀይ፥ ኣገልገልቱ ዄንኩም ዕጣን ክትዓጥኑሉ፥ ኣብ ቅድሚኡ ንህዝቢ ብፀሎት ክትመርሑ እግዚኣብሄር ንኣኻትኩም ሓርዩ እዩ እሞ፥ ሕዝስ ሸለል ኣይትበሉ።”
ካብ ዘርኢ ኣሮን ዘይኮነ ጓና ሰብ ክዓጥን ኢሉ ናብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣይቕረብ። እንተ ቐረበ ግና ኸም ቆሬን ከም ሰዓብቱን ክኸውን እዩ። እዙይ ንደቂ እስራኤል መዘከርታ ይኹን። እዝ ዅሉ ኸምቲ እግዚኣብሄር ብኢድ ሙሴ ገይሩ ዝኣዘዞ እዩ።
ንሱ ኸዓ ነቲ ሰላሳ ቕርሺ፥ ኣብ ቤተ መቕደስ ደርቢይዎ ወፀ፤ ከይዱውን ተሓኒቑ ሞተ።
ከምዙይ ኮይኑ ምስተዳለወ፥ እቶም ካህናት ኵልሻዕ፥ ኣብቲ ናይቲ ድንኳን ቀዳማይ ክፍሊ፥ ኣገልግሎቶም ክፍፅሙ ይኣትዉ ነበሩ።
ኣቦኻ ኣሮን ካህነይ ኮይኑ ናብ መሰውእየይ ክድይብ፥ ዕጣን ክዓጥን፥ ኤፉድ ተዓጢቑ ኸገልግለኒ ኢለ ኻብ ኵሎም ነገድ እስራኤል ሓርየዮ ነይረ። ኵሉ ብሓዊ ዝቐርብ ናይ ደቂ እስራኤል መስዋእቲ እውን ንቤት ኣቦኻ ሂበዮ ነይረ።