Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ወንጌል ሉቃስ 1:8 - መፅሓፍ ቅዱስ

8 እንሆ ዘካርያስ ብተራኡ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር፥ ብግብሪ ኽህነት ከገልግል እንተሎ፥

Ver Capítulo Copiar




ወንጌል ሉቃስ 1:8
16 Referencias Cruzadas  

ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ዝኣዘዞ፥ ኣቦኣቶም ኣሮን ዝሃቦም ስርዓት፥ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ኣትዮም ከከም ብፅሒቶም ከገልግሉ ዝተውሃቦም ሓላፍነት እዙይ እዩ።


ናዳብን ኣብዩድን ግና ቕድሚ ኣቦኣቶም ሞቱ፤ ውሉድ ከዓ ኣይነበርዎምን፤ ስለዙይ ኣልኣዛርን ኢታምርን ካህናት ኮኑ።


እቶም ሌዋውያን፥ ካህናት እግዚኣብሄር ኮይኖም ከየገልግሉ፥ ኢዮርብዓምን ደቁን ኣልቂቖምዎም ነበሩሞ፥ ሌዋውያን መዋፈሪኦምን፥ ከባቢ ኸተማታቶምን ርስቶምን እንተይተረፈ እናሓደጉ ናብ ይሁዳን ኢየሩሳሌምን መፁ።


ነቶም ኣብ ከከባቢ ኸተማታቶም ዘሎ ገራሁ ዝነብሩ ኻህናት ደቂ ኣሮን ድማ፥ ካብ ካህናት ተባዕትዮ ንዝኾኑ ኻብ ሌዋውያን ንዝተፅሓፉ ዅሎምን በብፅሒቶም ክህብዎም፥ ኣብ ከከተማኡ በብስሞም ዝተመደቡ ሰባት ነበሩ።


ንጉስ ሕዝቅያስ ድማ ነቶም ካህናትን ሌዋውያንን በብኽፍሎም መደቦም። ንነፍሲ ወከፎም ከዓ ኸም ምግልጋሉ ዝቃፀል መስዋእትን መስዋእቲ ምስጋናን ከቕርቡን ከገልግሉን ኣብተን በርታት ሰፈር እግዚኣብሄር ክውድሱን ከመስግኑን ሰርዖም።


ከምቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ኣቦኡ ዳዊት፥ ሰሪዕዎን ኣዚዝዎን ዝነበረ ድማ ነቶም ካህናት በብመዓልቶም ከገልግሉ፥ ነቶም ሌዋውያን ከዓ በብመዓልቶም ከምቲ ዝግባእ ንእግዚኣብሄር ከመስግኑን ነቶም ካህናት ክሕግዙን መደቦም። ነቶም ሓለውቲ በርታት ከዓ በብኽፍሎም ኣብ ደገ ኽሕልዉ ኣቖሞም።


ከምቲ ኣብ መፅሓፍ ሙሴ ተፅሒፉ ዘሎ ኸዓ ኻህናት በብስርዓቶም ሌዋውያን በብኽፍሎም ኣብ ኢየሩሳሌም ንእግዚኣብሄር ከገልግሉ ኣቖሙ።


“ንስኻ ኸዓ ንሓውካ ኣሮንን፥ ንደቁ ናዳብን ኣብዩድን ኣልኣዛርን ኢታምርን፥ ካህናት ኮይኖም ከገልግሉኒ፥ ካብ ደቂ እስራኤል ፈሊኻ ናባኻ ኣቕርቦም።


በዝ ኽዳውንቲ እዙይ፥ ንኣሮን ሓውካን ንደቁን ክደኖም፤ ብዘይትውን ቅብኣዮም፤ መዓርግ ክህነት ድማ ሃቦም፤ ብኽህነት ምእንቲ ኸገልግሉኒ ኸዓ ቐድሶም።


“ኣሮንን ደቁን ካህናት ኮይኖም ምእንቲ ኸገልግሉኒ፥ ከምዙይ ጌርካ ቐድሶም፦ ጐደሎ ዘይብሎም ሓደ ዝራብዕን ክልተ ማጓሉን ውሰድ።


“ነቲ መራኸቢ ድንኳንን ነቲ መሰውእን ክቕድሶ እየ። ንኣሮንን ንደቁን ከዓ ኻህናት ኮይኖም ከገልግሉኒ ኽቕድሶም እየ።


ንኣሮንን ንደቁን ድማ ብቕናት ኣዕጥቆም፤ መጠምጠምያውን ግበረሎም። ክህነት ከዓ ብሕጊ ንዘለኣለም ናታቶም ይኹን። ስለዙይ ንኣሮንን ንደቁን ከምዙይ ጌርካ መዓርግ ክህነት ሃቦም።


“ንኣሮንን ንደቁን ድማ ኻህናት ኮይኖም ምእንቲ ኸገልግሉኒ ቕብኣዮምን ቀድሶምን።


ኣብቲ መሰውእን ኣብቲ ውሽጢ መጋረጃን ዘሎ ግና ንስኻን ደቅኻን ብኽህነት ኣገልግሉን ሓልውን። እቲ ኣገልግሎት ክህነት ከም ውህብቶ ሂበኩም ኣለኹ። ካልእ ኣብ መቕደስ እንተ ቐረበ ግና፥ ይቀተል።”


ብዘመን ሄሮድስ ንጉስ ይሁዳ፥ ሓደ ኻብ ክፍሊ ኽህነት ኣብያ ዝኾነ፥ ዘካርያስ ዝበሃል ካህን ነበረ፤ ካብ ዘርኢ ኣሮን ዝኾነት፥ ኤልሳቤጥ እትበሃል ሰበይቲ ድማ ነበረቶ።


እንተ ኾነ ኤልሳቤጥ መኻን ስለ ዝነበረት ውሉድ ኣይነበሮምን፤ ክልቲኦም ድማ መዋእሎም ዝሓለፈ ኣረጋውያን ነበሩ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos