59 ኣብ ሻምነይቲ መዓልቲ ድማ፥ ነቲ ህፃን ክገርዝዎ መፁ፤ ብስም ኣቦኡውን “ዘካርያስ” ኢሎም ሰመይዎ።
ኣባኻትኩም ሸሞንተ መዓልቲ ዝገበረ ዅሉ ወዲ ተባዕታይ፥ ኣብ ቤት ዝተወልደን፥ ካብ ዘርእኻ ዘይኮነ ወዲ ጓና ብገንዘብ ዝተዓደገን፥ ንውሉድ ወለዶ ይገረዝ።
ብሻምነይቲ መዓልቲ ድማ እቲ ህፃን ስጋ ቝልፈቱ ይገረዝ።
ብሻምናይ መዓልቲ፥ ነቲ ህፃን ክገርዝዎ ወሰድዎ። ስሙውን ከምቲ ገና ኣብ ማህፀን ከይተጠንሰ እንተሎ፥ እቲ መልኣኽ ኣቐዲሙ ዝሰመዮ፥ “ኢየሱስ” ኢሎም ሰመይዎ።
ኪዳን ከም ዝኣተወሉ ኸርኢ ድማ፥ ናይ ግርዘት ስርዓት ሃቦ። ኣብርሃም ከዓ፥ ንይስሓቅ ምስ ወለደ ብሻምነይቲ መዓልቲ ገረዞ፤ ይስሓቅ ድማ ንያእቆብ፥ ያእቆብ ከዓ ነቶም ዓሰርተ ኽልተ ኣቦታት ነገድ እስራኤል።
ኣነ ኣብ ሻምናይ መዓልቲ ዝተገረዝኩ፥ ካብ ዓሌት እስራኤል፥ ካብ ነገድ ብንያም ዝተወለድኩ፥ ካብ ዕብራውያን ዕብራዊ እየ፤ ሕጊ ብምፍፃምውን ፈሪሳዊ እየ፤