53 ንጥሙያት ብበረኸት ኣፅገቦም፤ ንሃብታማት ግና ጥራሕ ኢዶም ሰደዶም።
ንዝተበደሉ ዝፈርደሎም፥ ንጥሙያት ምግቢ ዝህቦም ንሱ እዩ። እግዚኣብሄር ንእሱራት ይፈትሖም፤
ሃብታማት ደኸዩ፤ ጠመዩውን፤ ንእግዚኣብሄር ዝደልይዎ ግና ኻብ ኵሉ ሰናይ ኣይጐድሎምን።
ንናእዳ ዝኾኖም ተኽሊ ኸተስአሎም እየ፤ ድሕሪዙይ ከዓ ኣብታ ምድሪ ብጥሜት ኣይጠፍኡን፤ ድሕሪ ደጊም ድማ ፀርፊ ህዝብታት ኣይፆሩን እዮም።
ንፅድቂ ዝጠምዩን ዝፀምኡን ብፁኣን እዮም፤ ክፀግቡ እዮም እሞ።
ከምቲ ነቦታትና፥ ንኣብርሃምን ንዘርኡን ዝነገሮም፥ ንዘለኣለም ምሕረቱ እናዘከረ፥ ንእስራኤል ባርያኡ ተቐበሎ” በለት።
ኣቱም ሕዚ እትበኽዩ፥ ክትስሕቑ ኢኹም እሞ፥ ብፁኣን ኢኹም።
ኣቱም ሃብታማት ግና ሓጐስኩም ወዲእኹም ኢኹም እሞ ወይለኹም!
ኢየሱስ ድማ ኸምዙይ በሎም፦ “ናይ ህይወት እንጀራ ኣነ እየ፤ እቲ ናባይ ዝመፅእ ኣይጠምን፤ እቲ ብኣይ ዝኣምንውን፥ ከቶ ኣይፀምእን እዩ።
ኣሕዋተይ፥ እስኪ ኸመይ ከም ዝተፀዋዕኹም ተመልከቱ፤ ብዙሓት ካባኻትኩም በተሓሳስባ ሰብ፥ ፈላጣት ወይ ሓያላት ወይ ብትውልዲ ዝኸበርኩም ኣይነበርኩምን።
ድሮ ኸዓ ፀገብኩም፤ ሃብተምኩምውን፤ ብዘይ ብኣና ድማ ነገስኩም፤ ንሕናውን ምሳኻትኩም ምእንቲ ኽንነግስስ፥ ኣበይሞ ኸም ነገስኩም!
እቶም ፅጉባት ዝነበሩ ጠመዩ፤ እቶም ጥሙያት ዝነበሩ ድማ ፀገቡ፤ እታ መኻን ሸውዓተ ወለደት፤ እታ ብዙሕ ዝወለደት ግና ደኸመት።