Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ወንጌል ሉቃስ 1:41 - መፅሓፍ ቅዱስ

41 ኤልሳቤጥ ቃል ሰላምታ ማርያም ምስ ሰምዐት፥ እቲ ህፃን ኣብ ማህፀና ተሰራሰረ፤ ንኤልሳቤጥ ድማ መንፈስ ቅዱስ መልኣ።

Ver Capítulo Copiar




ወንጌል ሉቃስ 1:41
15 Referencias Cruzadas  

እቶም ህፃናት ከዓ ኣብ ማህፀና ይደፋፍኡ ነበሩ። ሽዑ ንሳ “ከምዙይ እንተ ደኣ ኾይኑስ እንታየይ እዩ?” በለት። ንእግዚኣብሄር ክትጥይቕ ድማ ኸደት።


ካብ ማህፀን ጀሚሩ ኣባኻ ተደርበኹ፤ ካብ ከብዲ እኖይ ጀሚርካ ንስኻ ኣምላኸይ ኢኻ።


ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዓብዪ ክኸውን እዩ እሞ፥ ወይንን ዘስክር መስተን ከቶ ኣይሰትን እዩ። ገና ኣብ ማህፀን እኖኡ እንተሎ፥ መንፈስ ቅዱስ ክመልኦ እዩ።


ናብ እንዳ ዘካርያስ ኣትያ ድማ፥ ንኤልሳቤጥ ሰላም በለታ።


ብዓብዪ ድምፂውን ከምዙይ በለት፦ “ንስኺ ኻብ ኣንስቲ ዝተባረኽኪ ኢኺ፤ እቲ ናይ ማህፀንኪ ፍረውን ቡሩኽ እዩ።


እንሆ ድምፂ ሰላምታኺ ምስ ሰማዕኹ፥ እቲ ህፃን ኣብ ማህፀነይ ብሓጐስ ተሰራሰረ።


ነቦኡ ዘካርያስ ድማ፥ መንፈስ ቅዱስ መልኦ፤ ከምዙይ ኢሉውን ተነበየ፦


ኢየሱስ ብምልኣት መንፈስ፥ ቅዱስ ካብ ዮርዳኖስ ተመለሰ፤ ብመንፈስ ተመሪሑ ድማ፥ ናብ በረኻ ኸደ።


ንዅሎም ድማ መንፈስ ቅዱስ መልኦም፤ መንፈስ ቅዱስ ክዛረቡ ኸም ዝሃቦምውን፥ ብኻልእ ቋንቋታት ክዛረቡ ጀመሩ።


ሽዑ ጴጥሮስ ብመንፈስ ቅዱስ ተመሊኡ ኸምዙይ በሎም፦ “ኣቱም መኳንንቲ ህዝብን ሽማግለታትን፥


ስለዙይ ኣቱም ኣሕዋትና፥ ነዝ ጉዳይ እዙይ ክንሸሞም፥ ካባኻትኩም ብፅቡቕ ዝተመስከረሎም፥ መንፈስ ቕዱስን ጥበብን ዝመልኦም፥ ሸውዓተ ሰባት ሕረዩ፤


ንእስጢፋኖስ ግና መንፈስ ቅዱስ መልኦ፤ ናብ ሰማይ ኣንቃዕሪሩ ክብሪ እግዚኣብሄርን፥ ኢየሱስ ድማ ኣብ የማን እግዚኣብሄር ቆይሙን ረአየ።


ሓናንያ ኸዓ፥ ከይዱ ናብ ገዛ ኣተወ፤ ኢዱ ኣብ ልዕሊኡ ኣንቢሩ ድማ “ሳውል ሓወይ፥ እቲ ኽትመፅእ እንተለኻ፥ ኣብ መንገዲ ዝተርኣየካ ጐይታ ኢየሱስ፥ ክትርእን መንፈስ ቅዱስ ክመልአካን ናባኻ ልኢኹኒ” በሎ።


ብመንፈስ ቅዱስ ደኣ ተመልኡ እምበር፥ ናብ ጥፍኣት ስለ ዘብፅሕ፥ ብወይኒ ኣይትስከሩ።


ብመዓልቲ ጐይታ፥ ብመንፈስ ተመሲጠ ነበርኩ። ብድሕረይ ከዓ፥ ከም ድምፂ መለኸት ዝበለ ብርቱዕ ድምፂ ሰማዕኹ፤


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos