Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ወንጌል ሉቃስ 1:3 - መፅሓፍ ቅዱስ

3-4 ኣነውን፥ ኣብ ዝሓለፈ ቐረባ ጊዜ፥ ነቲ ነገር ካብ መሰረቱ ሒዘ፥ ብጥንቃቐ ምስ መርመርክዎ፥ ናይቲ ዝተምሃርካዮ ነገራት ርግፅነት ኣፀቢቕካ ምእንቲ ኽትፈልጥ፥ ኣከታቲለ ኽፅሕፈልካ ቕኑዕ ኾይኑ ተርእዩኒ ኣሎ።

Ver Capítulo Copiar




ወንጌል ሉቃስ 1:3
17 Referencias Cruzadas  

ኦ ኣምላኸይ፥ ዝገበርካዮ ተኣምራት ብዙሕ እዩ፤ ንሓሳብካውን ዝመስሎ የለን፤ እንተውረኹን እንተ ተናገርኩን ምቝፃሩ ዘይከኣል ብዙሕ እዩ።


እዝ ዅሉ ጌርካ ኣነ ስቕ በልኩኻ፤ ኣነ ከማኻ ከም ዝኾንኩ ጠርጠርካ? ኣነ ክግስፀካ፥ ኣብ ቅድሜኻውን ክቐውም እየ።


እዚኣተን፥ ሓቂ እንታይ ከም ዝኾነ፥ ክምህራኻ እየን።


ምስ ናይዙይ ግና እቲ ሰባኺ ጥበበኛ ስለ ዝነበረ፥ ነቲ ህዝቢ ፍልጠት መሃረ። ኣስተንተነ፤ መርመረ፤ ደላለየ ብዙሕ ምስላታት ከዓ ሰርዐ።


ኦ ኽቡር ቴዎፍሎስ! ከምቲ ብዙሓት ነቲ ኣባና ብምልኣት ዝተፈፀመ ነገራት ክፅሕፉ ዝጀመሩ፥


ኦ ቴዎፍሎስ፥ ኣብቲ ቐዳማይ ፅሑፈይ፥ ብዛዕባ እቲ ኢየሱስ ካብ መጀመርታ ሒዙ፥ ነቶም ብመንፈስ ቅዱስ ዝሓረዮም ሃዋርያት ኣዚዙ፥ ክሳዕ እታ ንሰማይ ዝዓረገላ መዓልቲ፥ ዝገበሮን ዝመሃሮን ፅሒፈልካ ነይረ።


ጴጥሮስ ድማ፥ ካብ መጀመርታ ጀሚሩ ኽነግሮም ጀመረ፤ ከምዙይ ድማ በሎም፦


“እምበኣርከስ፥ ነቶም ካብ ኣህዛብ፥ ናብ እግዚኣብሄር ዝምለሱ ዘለዉ፥ ኣይነኽብደሎም።


ስለዙይ ምስ እዞም እነፍቅሮም፥ ምእንቲ ስም ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ህይወቶም ዝወፈዩ፥ በርናባስን ጳውሎስን፥ ናባኻትኩም እንሰዶም ሰባት ክንመርፅ ብሓደ ዄንና መኸርና።


እንትርፊ እቲ ዝተገብአ፥ ሕልፊ ሸክሚ ኸይነኽብደልኩም፥ ንመንፈስ ቅዱስን፥ ንኣናን ተርእዩና ኣሎ።


ቁሩብ መዓልቲ ኸዓ ኣብኣ ቐነየ፤ ካብኣ ተልዒሉ ኣብ ሃገር ገላትያን ፍርግያን እናዞረ፥ ንዅሎም ደቀ መዛሙርት ኣፀናንዖም።


“ካብ ቀላውዴዎስ ሉስዮስ፥ ናብ ክቡር ሹም ፊልክስ፥ ሰላም ንኣኻ ይኹን።


ነዝ ነገር እዙይ ድማ፥ ኵልሻዕ ኣብ ኵሉ ሃገር ብታሕጓስ እናተቐበልና፥ ነመስግነካ ኣለና።


ጳውሎስ ከዓ፥ “ኦ ኽቡር ፊስጦስ! እታ ፅርይቲ ሓቂ እየ ዝዛረብ ዘለኹ እምበር፥ ኣይዓበድኩን።


ብዛዕባ ኣጵሎስ ሓውና ኸዓ፥ ምስቶም ኣሕዋት ናባኻትኩም ክመፅእ፥ ብዙሕ ለሚነዮ ነይረ፤ እንተ ኾነ ፍቓዱ ስለ ዘይኮነ፥ ሕዚ ኽመፅእ ኣይደለየን፤ ምስ መቸዎ ግና ኽመፅእ እዩ።


ከም ሓሳበይ ግና፥ ከምቲ ዘላቶ ኾይና እንተ እትነብር፥ ዝበለፀ ምተሓጐሰት፤ ኣነውን መንፈስ እግዚኣብሄር፥ ኣባይ ዘለኒ ይመስለኒ።


እዝ ትምህርቲ እዙይ፥ ነቶም ኣሕዋት እንተ ገለፅካሎም፥ ቃል እምነትን፥ እቲ ተኣሚንካ ዝሰዓብካዮ ፅቡቕ ትምህርትን፥ ዝተመገበ ሕያዋይ ኣገልጋሊ ኢየሱስ ክርስቶስ ክትከውን ኢኻ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos