Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ወንጌል ሉቃስ 1:26 - መፅሓፍ ቅዱስ

26-27 ብሻድሻይ ወርሒ መልኣኽ ገብርኤል፥ ናዝሬት ናብ እትብሃል ከተማ ገሊላ፥ ካብ ዓሌት ዳዊት ዝኾነ፥ ዮሴፍ ንዝበሃል ሰብ፥ ናብ ዝተሓፀየት ናብ ሓንቲ ድንግል፥ ካብ እግዚኣብሄር ተልኣኸ፤ ስም እታ ድንግል ከዓ ማርያም ይበሃል።

Ver Capítulo Copiar




ወንጌል ሉቃስ 1:26
8 Referencias Cruzadas  

ካብ ማእኸል ሩባ ኡባል ድማ “ገብርኤል፥ ትርጉም እዝ ራእይ እዙይ፥ ነዝ ሰብ እዙይ ግለፀሉ” ዝብል ድምፂ ሰብ ሰማዕኹ።


እናፀለኹ እንተለኹ፥ እቲ ቕድም ብራእይ ሪአዮ ዝነበርኩ ሰብ፥ ገብርኤል ቀልጢፉ እናበረረ ናባይ መፂኡ ዳህሰሰኒ። ሽዑ ጊዜ መስዋእቲ ምሸት ነበረ።


እቲ ብነቢያት “ናዝራዊ ኽብሃል እዩ” ዝተብሃለ ምእንቲ ኽፍፀም፥ ናዝሬት ናብ እትብሃል ዓዲ መፂኡ ተቐመጠ።


እቲ መልኣኽ መሊሱ፦ “ኣነ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዝቐውም ገብርኤል እየ፤ ነዙይ ክነግረካን ከብስረካን ናባኻ ተልኢኸ ኣለኹ።


ከምቲ ዅሉ ሕጊ እግዚኣብሄር ዝእዝዞ ምስ ፈፀሙ፥ ንገሊላ ናብ ናዝሬት ዓዶም ተመለሱ።


ዮሴፍውን ካብ ቤት ዳዊትን፥ ካብ ዓሌቱን ስለ ዝነበረ፥ ካብ ገሊላ ኻብ ከተማ ናዝሬት፥ ምስታ ጠኒሳ ዝነበረት ሕፅይቱ ማርያም ናብ ይሁዳ፥ ቤተ ልሔም ናብ እትበሃል ከተማ ዳዊት፥ ክምዝገብ ደየበ።


ካልኦት ከዓ “ክርስቶስ እዩ” በሉ። ገሊኣቶም ግና “ክርስቶስ ካብ ገሊላ ድዩ ዝመፅእ?


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos